2ይ ዜና መዋእል 23

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት4:44 ስማዕ
ስማዕ 4:44 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ዮዳሄ ተብዐ እሞ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ ንኣዛርያስ ወዲ ይሮሓምን ንይስማኤል ወዲ ይሆሓናን ንኣዛርያስ ወዲ ዖቤድን ንመዕሴያ ወዲ ዓዳያን ንኤሊሳፋጥ ወዲ ዝክሪን ወሲዱ ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ።

2ኣብ ይሁዳ እናዞሩ ድማ ኻብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣከብዎም፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ መፁ።

3ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተኣከበ፤ ምስ ኢዮኣስ ወዲ ንጉስ ከዓ ኺዳን ኣተወ። ዮዳሄ ድማ “እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ዝተዛረቦ ኽነግስ ዝግብኦ እዝ ወዲ ንጉስ እዙይ እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።

4“እቲ እትገብርዎ ነገር እዙይ እዩ፤ ኣቱም ብሰንበት ኣብ ስራሕኹም እትኣትዉ፥ ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ሲሶ ኣፍ ደገታት ሓልዉ።

5ሲሶ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሓልዉ፤ ሲሶኹምውን ኣብ ማእኸላይ በሪ ኹኑ። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ይኹን።

6ግና ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ካህናትን እቶም ዘገልግሉ ሌዋውያንን እምበር፥ ካልእ ኣይእቶ። ንሳቶም ቅዱሳን እዮም እሞ ይእተዉ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሓሉ።

7እቶም ሌዋውያን ድማ ኣፅዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፥ ነቲ ንጉስ ከቢቦም ይሓልውዎ። ኵሉ ናብታ ቤት ዝኣቱ ኸዓ ይቀተል። እቲ ንጉስ ክኣቱን ክወፅእን እንተሎ ድማ ምስኡ ኹኑ።”

8ዮዳሄ፥ ነቶም ክሰርሑ ዝሓደሩ ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፥ እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ይሁዳን፥ ከምቲ ዅሉ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ናብ ስራሕ ዝኣትዉ ምስቶም ብሰንበት ካብ ስራሕ ዝወፁ ገይሮም፥ ሰሰቦም ይወስዱ ነበሩ።

9ዮዳሄ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝፀንሐ፥ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናታትን ዋላቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ሃቦም።

10ንነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ኣትሒዙ፥ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጋማይ ወገና ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቖሞም።

11ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኦም ዘውዲ ደፍኡሉ፤ መፅሓፍ ኪዳንውን ሃብዎ እሞ ኣንገስዎ። ዮዳሄን ደቁን ከዓ ቐብእዎ፤ ዓው ኢሎም ድማ “ንጉስ ሺሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።

12ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም እናጐየዩ ነቲ ንጉስ ዝውድስዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዐት፥ ናብቶም ህዝቢ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መፀት።

13እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ኣብቲ ስፍራ ነገስታት፥ ጥቓ እቲ ዓምዲ ደው ኢሉ ነበረ። እቶም ኣሕሉቕን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ከዓ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። እቶም መዘምራንውን ብመሳርሒ ሙዚቃ መዝሙር ምስጋና ይዝምሩ ነበሩ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት።

14ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ኢሉ ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም።

15ሽዑ ሒዞም ናብ ቤተ መንግስቲ ወሰድዋ፤ ኣብቲ ደገ ኣፍራስ ክትበፅሕ እንተላ ኸዓ ቐተልዋ።

16ዮዳሄ ድማ ንሱን እቶም ህዝብን እቲ ንጉስን እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ ኺዳን ኣቖመ።

17ብምሉኦም እቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዎ፤ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ። ንናይ በዓል ካህን ንማታን ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሓረድዎ።

18ዮዳሄ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣብ ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ መደቦም። ንሳቶም ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ክፍፅሙን፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ መስዋእቲ ኸቕርቡን፥ ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ድማ ብሓጐስን ብመዝሙርን ከገልግሉን፥ ተመዲቦም ነበሩ።

19ብዝኾነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱ፥ ኣብተን ደገታት ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣቖመ።

20ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ነቶም ክቡራት ሰባትን፥ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝብን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን ወሰደ፤ ነቲ ንጉስ ድማ ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረዶ፤ በታ ላዕለወይቲ በሪ ድማ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእተውዎ፤ ነቲ ንጉስውን ኣብ ዙፋን ኣቐመጥዎ።

21ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ተሓጐሱ፤ ጎቶልያ ብሰይፊ ስለ ዝተቐትለት ድማ እታ ኸተማ ሃድአት።

ትርጓሜ

23:12-20

ኣምላኽ ንኢዮራም መጠንቀቕታ ለኣኸሉ። መንፈስ ትንቢት ኤልያስ ንገበናት ኢዮራም ኣቐዲሙ ስለ ዝፈለጥ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ከዳልዎ መሪሑዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓጢኣቱ ብርግጽ ከጥፍኦ ምዃኑ ብግልጺ ተነጊርዎ። እንተኾነ ግና፡ እቶም ሓጥኣን ካብ ሓጢኣትን ናብ ንስሓን ንምምላስ፡ ብመጠንቀቕታ መከራ ናይ ካልእ ዓለም ዘይፈርሑ ምዃኖም ኣየገርምን። ከመይሲ፡ እቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ መከራ ብርግጽ ምምጽኡ፡ ሃብቶም ምጥፍኡ፡ ጥዕናኦም ምብልሻዉ እኳ ካብ ክፉእ ተግባራት ክኸልኦም ምስ ዘይክእል፡ እዚ ዘገርም ኣይኮነን።

ኢዮራም ኣብዚ ርአ፡ ካብ ኩሉ ምችኡ ተገፊፉ ኣሎ። በዚ ኸምዚ ኣምላኽ፡ እቲ ምትሕልላኽ ምስኡን ምስ ቤቱን ከም ዝነበረ ብግልጺ ኣርኣየ። ንገዛእ ርእሱ ከጽንዕ ኢሉ ንኹሎም ኣሕዋቱ ቐቲሉ ነበረ፤ ሕጂ ግና፡ ሓደ ወዲ ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ ኩሎም ደቂ ተቐትሉ። ቤት ዳዊት ግና ብምሉኡ ኸይጠፍእ ኣለዎ፡ ከምቶም ናይ ነገስታት እስራኤል ዝነበሩ፡ ምኽንያቱ ኣብኡ በረኸት፡ እቲ ናይ መሲሕ በረኸት፡ ስለ ዝነበረ።

ጽቡቕ ሰባት ብሕማም ክሳቐዩ ይኽእሉ እዮም፤ ንኣቶም ግና ኣቦኣዊ ቅጽዓት እዩ። በቲ ኣምላኻዊ ምጽንናዕ ድጋፍ ድማ፡ ስጋ ኣብ ሕማም ምስ ዝህሉ እኳ፡ ነፍሲ ብሰላም ክትነብር ትኽእል እያ። ሕሙም ክኸውንን ድኻ ክኸውንን፡ ሕሙም ክኸውንን በይኑ ክኸውንን፡ ብፍላይ ግና ሕሙም ክኸውንን ኣብ ሓጢኣት ክኸውንን፡ ሕሙም ክኸውንን ኣብ ትሕቲ መርገም ኣምላኽ ክኸውንን፡ ሕሙም ክኸውንን ንምጽዋር ጸጋ ዘይብሉ ክኸውንን፡ እዚ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት እዩ። እከይን ርኽሰትን ንሰብ፡ እቶም ውሑድ ሃይማኖት ዘለዎም እኳ ኣብ ኣዒንቶም ንዒቖም ክርእይዎም ይገብር።

ምዕራፍ 23። ኣታልያ ንሽዱሽተ ዓመት ብደም ዝተሓወሰ ግፍዒ ገይራ ነበረት። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ድማ ካብ ስልጣና ከም ዝወረደት፡ ከም ዝተቐትለትን፡ ዮኣስ ድማ፡ ቅኑዕ ወራሲ ኮይኑ፡ ከም ዝነገሰን ንርኢ። እዚ ዛንታ እዚ ቕድሚ ሕጂ ኣብ 2 ነገስት 11:4 ወዘተ. ከምዚ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ኮይኑ ተገሊጹ ነይሩ እዩ።

I. የሆያዳ ንህዝቢ ንጉስ ከቕርብ ኣዳልይዎም፡ ምስ ዕላማኡ ኣፋሊጥዎም፡ ኣጽዋር ኣልቢስዎም፡ ቦታኦም ድማ ወሲንሎም (ቁ. 1–10)።

II. ንጉስ ንህዝቢ ኣቕሪብዎ፡ ኣኽሊል ደፊኡሉ፡ ቀቢእዎ ድማ (ቁ. 11)።

III. ንመሓዝ ስልጣን ቀቲልዎ (ቁ. 12–15)።

IV. ንመንግስቲ ኣዐሪይዎ፡ ሃይማኖት እንደገና ኣቚምዎ፡ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ድማ መሊስዎ (ቁ. 16–21)።

ቁጽሪ 1-11። ኣብ እዋን ሽዱሽተ ዓመት ምሕዝ ስልጣን ኣታልያ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኩነታት ክንሓስቦ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ እዚ ንነዊሕ እዋን ከም ዝፍቀድን ህዝቡ ድማ ከም ዝጸበሮን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ግናኸ፡ ድሕሪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸልማትን ነዊሕን ለይቲ፡ እታ ኣብዚ ለውጢ እዚ ዝተመልሰት መዓልቲ ዝበለጸት ብሩህን ዝያዳ ተቐባልነት ዝነበራን እያ። ምቕጻል ዘርኢ ዳዊትን ዝፋኑን ኣምላኽ ብቕድስናኡ ዝመሓሎ እዩ ነይሩ (መዝሙር 89:35)፡ ምቁራጽ ድማ ምፍራስ ኣይነበረን። እቲ ናይ ምምሕዳር መስርሕ ኣብዚ እንደገና ብቕኑዕ መገዲ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ናይ ምምላስ መሳርሒን ቀንዲ ኣመሓዳሪን የሆያዳ እዩ፡ ንሱ ድማ፡

1. ዓቢ ጥበብ ዝነበሮ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ንእሽቶ ልኡል ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ህዝቢ ክቐርብ ክሳዕ ዝበቕዕን፡ ህዝቢ ድማ ብመሓዝ ስልጣን ክሳዕ ዝሰልችዎን ሓቢእዎ ጸኒሑ። ንዕዮኡ ቕድሚ ሕጂ ኣዳልይዎ፡ ድሕሪኡ ድማ ብግሩም ምስጢርን ቅልጡፍን ገይሩ ፈጺምዎ። ኣምላኽ ክገብሮ ዝደልዮ ዕዮ ምስ ዝህልዎ፡ ንሰባት ንዕኡ ብቕዓትን ሓይልን ይህቦም።

2. ዓቢ ተራ ዝነበሮ ሰብኣይ። እቶም ሓለፍቲ ምስኡ ተሓቢሮም (ቁ. 1)። እቶም ሌዋውያንን ቀንዲ ኣቦታት እስራኤልን ብጽውዓኡ ናብ የሩሳሌም መጺኦም (ቁ. 2)፡ ኣብኡ ድማ ንትእዛዛቱ ክቕበሉ ድሉዋት ነይሮም። ጥበብን በጎነትን ንሰባት እንታይ ዝኣመሰለ ስልጣን ከም ዝህብ ተመልከት። እቶም ሌዋውያንን ኩሉ ይሁዳን የሆያዳ ከም ዝኣዘዞ ገይሮም (ቁ. 8)፡ እዚ ድማ ዘገርም እዩ፡ እቶም ምስጢር ዝተዋህቦም ኩሎም ክሳዕ ዝፍጸም ምስጢሮም ሓልዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በሰባተኛውም ዓመት ዮዳሄ በረታ፥ የመቶ አለቆቹንም፥ የይሮሐምን ልጅ ዓዛርያስን፥ የይሆሐናንንም ልጅ ይስማኤልን፥ የዖቤድንም ልጅ ዓዛርያስን፥ የዓዳያንም ልጅ መዕሤያን፥ የዝክሪንም ልጅ ኤሊሳ… አማርኛ ENGNIV In the seventh year Jehoiada showed his strength. He made a covenant with the commanders of units of a hundred: Azariah… English BCV በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ዮዳሄ ተብዐ እሞ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ ንኣዛርያስ ወዲ ይሮሓምን ንይስማኤል ወዲ ይሆሓናን ንኣዛርያስ ወዲ ዖቤድን ንመዕሴያ ወዲ ዓዳያን ንኤሊሳፋጥ ወዲ ዝክሪን ወ… ትግርኛ GAZBIB Waggaa torbaffaatti Yoyaadaan jabaatee ka'ee, angafoota dhibbaa warra ta'an Azaariyaa ilma Yerohaam, Ishmaa'el ilma Yoh… Afaan Oromoo BCV GIZ ወበሳብዕ ዓመት ጸንዐ ኢዮአዳ ወነሥአ መላእክተ ምእት ለአዛርያ ወልደ ኢዮራም ወአስማዔል ወልደ ኢዮአናን ወአዛርያ ወልደ ዔቤድ ወማትያ ወልደ አዳእያ ወኤልሳፍጥ ወልደ ዘካርያስ ምስሌሁ ውስተ… giz GAZGAZ Waggaa torbaffaatti Yoyaadaan jabaatee ka'ee, angafoota dhibbaa warra ta'an Azaariyaa ilma Yerohaam, Ishmaa'el ilma Yoh… Afaan Oromoo AMHNIV በሰባተኛው ዓመት ዮዳሄ በረታ፤ የመቶ አለቆች ከሆኑት ከይሮሐም ልጅ ከዓዛርያስ፣ ከይሆሐናን ልጅ ከይስማኤል፣ ከዖቤድ ልጅ ከዓዛርያስ፣ ከዓዳያ ልጅ ከማዕሤያ፣ ከዝክሪ ልጅ ከኤሊሳፋጥ ጋር ቃ… አማርኛ SWAHSUV Hata mwaka wa saba Yehoyada akajitia nguvu, akawatwaa maakida wa mamia, Azaria mwana wa Yerohamu, na Ishmaeli mwana wa … Kiswahili