1ይ ዮሃንስ 4

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት3:56 ስማዕ
ስማዕ 3:56 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ እሞ፥ እቶም መናፍስቲ ኻብ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር፥ ንዅሉ መንፈስ ኣይትእመኑ።

2ንመንፈስ እግዚኣብሄር፥ በዙይ ኢኩም እትፈልጥዎ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ኸም ዝተገለፀ ዝኣምን ኵሉ መንፈስ፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

3ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመፀ ዘይኣምን ኵሉ መንፈስ ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። እዙይ ከዓ፥ እቲ ኸም ዝመፅእ ሰሚዕኹምዎ ዝነበርኩም፥ ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕዚ እውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ።

4ኣቱም ደቀይ፥ ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሄር ኢኹም እሞ፥ ስዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ የመና ዓብዪ እዩ እሞ።

5ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፤ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከዓ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ።

6ንሕና ግና ኻብ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ዝፈልጥ ይሰምዐና፤ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዘይኮነ ግና፥ ኣይሰምዐናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሰትን ከዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጦ።

7ኣቱም ፍቑራተይ፥ ፍቕሪ ኻብ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንስንሳትና ንፋቐር። ዘፍቅር ኵሉ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ እዩ፤ ንእግዚኣብሄርውን ይፈልጦ እዩ።

8እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ እሞ፥ እቲ ዘየፍቅር ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን።

9እግዚኣብሄር፥ ብወዱ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፥ በዙይ እዩ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልና ዝተገልፀ።

10ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።

11ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንስንሳትና ኽንፋቐር ይግብአና እዩ።

12ንእግዚኣብሄር ዝረአዮ ሓደኳ የለን። ንስንሳትና እንተ ተፋቐርና ግና፥ እግዚኣብሄር ኣባና ይነብር፤ ፍቕሩውን ኣባና ፍፁም ይኸውን።

13እግዚኣብሄር ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፥ ንሕና ኣብኡ፥ ንሱውን ኣባና ኸም ዝነብር ንፈልጥ ኢና።

14እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንወዱ መድሓኒ ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፤ ንምስክርውን ኣለና።

15ኵሉ፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዝኣምን ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር፤ ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር።

16ንሕናውን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር፤ እግዚኣብሄርውን ኣብኡ ይነብር።

17ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ትብዓት ክህልወና፥ በዙይ እታ ፍቅሪ ኣባና ተፈፀመት፥ ከምቲ ንሱ ዘለዎ፥ ከምኡውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘለና እሞ።

18እታ ፍፅምቲ ፍቕሪ፥ ንፍርሓት ኣውፂኣ ደኣ ትድርብያ እምበር፥ ኣብ ፍቕርስ ፍርሓት የለን። ፍርሓት፥ ምስ መቕፃዕቲ ዝተተሓሓዘት ስለ ዝኾነት፥ እቲ ዝፈርሕ ሰብ፥ ፍቕሩ ፍፁም ኣይኮነን።

19እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።

20ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ፥ ነቲ ዘይረአዮ እግዚኣብሄር፥ ከፍቅር ኣይከኣሎን እዩ እሞ፥ ንሓዉ እናፀልአ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣፍቅር እየ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ።

21እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ፥ “እቲ ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር፥ ንሓዉ ድማ የፍቅር” ዝብል እዩ።

ትርጓሜ

4:1-6 ቅዱሳት ጽሑፋት ብጽቡቕ ዝፈልጡ ክርስቲያን፣ ብትሕትና ኣብ መለኮታዊ ምምሃር ተኣሚኖም፣ ብመሰረት ሓዋርያት ትምህርትታት ዘቕርቡን ንሳቶም ዝጻረሩን ክምርምሩ ይኽእሉ እዮም። ድምር ናይ እተገለጸ ሃይማኖት ብዛዕባ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ባህሪኡን ስራሑን ኣብ ዝምልከት ትምህርቲ እዩ። እቶም ሓሰውቲ መምህራን ንስጋውያን ሰባት ከየቖጥዑ ኢሎም፡ ብመሰረት መትከላቱን ባህግታቱን ብዛዕባ ዓለም ተዛረቡ። ዓለም ኣፍቂራቶም፡ ብቕልጡፍ ድማ ዓበዩ፡ ከምኦም ዝበሉ ብዙሓት ሰዓብቲ እውን ነበሮም። ዓለም ንኣታቶም ከተፍቅር እያ፡ ንሳቶም ድማ ንዓኣ ኬፍቅርዋ እዮም። እቲ ንሰባት ካብ ዓለም ናብ ኣምላኽ ዝመርሕ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ባህሪ ኣድሓኒ ዝምህር ሓቂ ትምህርቲ፡ ኣብ ንጽጽር ምስ መንፈስ ስሕተት፡ ምልክት መንፈስ ሓቂ እዩ። ዝኾነ ትምህርቲ ብዝበለጸ ንጹሕን ቅዱስን እንተኾነ፡ ብዝያዳ ናይ ኣምላኽ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብኻልእ ዝኾነ መትከል ድማ፡ መናፍስቲ ናይ ኣምላኽ እንተኾኑ ወይ ዘይኾኑ ክንፍትሽ ኣይንኽእልን ኢና። ዓለማዊ መንፈስ ዘለዎም ሰባት፡ ከምኦም ዝበሉ ሰባት እንተተኸተሉ፡ ንመደባቶምን ንዘረባኦምን ድማ ምስ ሕሱም ባህግታቶም እንተኣሰናሰሉ፡ እንታይ ዘገርም ነገር እዩ?

4:7-13 መንፈስ ኣምላኽ መንፈስ ፍቕሪ እዩ። ብህዝቡ ዘሎ ምስሊ ኣምላኽ ዘይፈቅር፣ ኣድሓኒ ፍልጠት ኣምላኽ የብሉን። ከመይሲ ሕያው ምዃንን ሓጎስ ምሃብን ባህርይ ኣምላኽ እዩ። ሕጊ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፤ ኩሉ እንተ ዝእዘዞ ድማ ኩሉ ብፍጹም ሓጎስ ምነበረ። ወንጌል ንምሕረት ሓጢኣትን ምድሓን ሓጥኣንን ዝገበሮ ምድላው፣ ምስ ክብሪ ኣምላኽን ጽድቁን ብሓባር፣ ኣምላኽ ፍቕሪ ምዃኑ የርኢ።

ብዙሕ ነገራት ገና ብምስጢርን ጸልማትን ተሸፊኑ ኣሎ። ኣምላኽ ርእሱ ፍቕሪ ምዃኑ ብኸምዚ ገይሩ ስለ ዘርኣየ፣ ብዘይምእማንን ብዘይምንሳሕን እንተ ዘይኮይኑ ዘለኣለማዊ ሓጎስ ኣይንጉድልን ኢና፣ እቲ ንቑጽ ጽድቂ ግና፣ ንሕጊ ፈጣሪና ስለ ዝጠሓስና፣ ተስፋ ናብ ዘይብሉ ስቓይ ምፈረደና እዩ። ሓደ ካብ ቃላትና ወይ ሓሳባትና ነቲ ናይ ቅዱስ ኣምላኽ ናብ ሓጥኣን ዘሎ ነጻን ዘደንቕን ፍቕሪ ብልክዕ ክገልጾ ኣይክእልን እዩ። ንሳቶም (ሓጥኣን) ንዕኡ ክጠቕምዎ ወይ ክጎድእዎ ኣይክእሉን፣ ንሱ ድማ ብሓቂ ብሓንሳእ ከጥፍኦም ምተኸኣለ። እቲ ንበቐሉ ዝግብኦም ምዃኖም ድማ ብዝድሓኑሉ መንገድታት ተገሊጹ እዩ። ንሱ ብኹሉ ዝኽእል ቃሉ ዝበለጹ ፍጥረታት ዘለዎም ካልኦት ዓለማት ክፈጥር ብቑዕ ኮይኑ እንተ ዝርእዮ ነይሩ እኳ እንተኾነ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ወዳጆች ሆይ፥ መንፈስን ሁሉ አትመኑ፥ ነገር ግን መናፍስት ከእግዚአብሔር ሆነው እንደ ሆነ መርምሩ፤ ብዙዎች ሐሰተኞች ነቢያት ወደ ዓለም ወጥተዋልና። አማርኛ ENGNIV Dear friends, do not believe every spirit, but test the spirits to see whether they are from God, because many false pr… English BCV ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ እሞ፥ እቶም መናፍስቲ ኻብ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር፥ ንዅሉ መንፈስ ኣይትእመኑ። ትግርኛ GAZBIB Michoota ko! Warra hafuuraan in dubbanna jedhan hunda hin amaninaa, Waaqayyo biraa yoo ta'an hafuurota isaan ittiin dub… Afaan Oromoo BCV GIZ አኀዊነ ለኵላ መንፈስ ኢትእመንዋ አላ አመክርዋ ለመንፈስ ለእመ እምኀበ እግዚአብሔር ይእቲ እስመ ብዙኃን ሐሳውያን ነቢያት መጽኡ ውስተ ዓለም፤ እለ ኢየአምርዎ ለኢየሱስ ክርስቶስ። giz GAZGAZ Michoota ko! Warra hafuuraan in dubbanna jedhan hunda hin amaninaa, Waaqayyo biraa yoo ta'an hafuurota isaan ittiin dub… Afaan Oromoo AMHNIV ወዳጆች ሆይ፤ መንፈስን ሁሉ አትመኑ፤ ነገር ግን መናፍስት ከእግዚአብሔር መሆናቸውን መርምሩ፤ ምክንያቱም ብዙ ሐሰተኞች ነቢያት ወደ ዓለም ወጥተዋልና። አማርኛ SWAHSUV Wapenzi, msiiamini kila roho, bali zijaribuni hizo roho, kwamba zimetokana na Mungu; kwa sababu manabii wa uongo wengi … Kiswahili