1ይ ዮሃንስ 2

BCV aksumትግርኛ29 ፍቕድታት4:43 ስማዕ
ስማዕ 4:43 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።(ሀ)

2ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ኾነ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ኵሉ ዓለምውን እምበር፥ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራሕ ኣይኮነን።

3ትእዛዛት እግዚኣብሄር እንተ ሓሊና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግፅ።

4“ኣነ እፈልጦ እየ” ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ፤ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።

5እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።

6እቲ “ኣብኡ እነብር እየ” ዝብል፥ ከምቲ ንሱ ዝተመላለሰ፥ ባዕሉውን ከምኡ ኽመላለስ ይግብኦ እዩ።

7ኣቱም ፍቑራተይ፥ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም፥ ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፥ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ። እቲ ናይ ቀደም ትእዛዝ ከዓ፥ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ቓል እዩ።

8መሊሰ፥ ብኡኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝኾነ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እፅሕፈልኩም ኣለኹ፤ ፀልማት ሓሊፉ፥ ድሮ እኳ ብርሃን ሓቂ የብርህ ኣሎ።

9“ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዝብል፥ ንሓዉ ግና ዝፀልእ፥ ገና ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ።

10እቲ ንሓዉ ዘፍቅር፥ ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር፤ ኣብኡውን መዐንቀፊ የብሉን።

11እቲ ንሓዉ ዝፀልእ ግና፥ ኣብ ፀልማት እዩ ዘሎ፤ ኣብ ፀልማትውን ይነብር፤ ፀልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፥ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።

12ደቀይ፥ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ስም ክርስቶስ፥ ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።

13ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፥ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።

14ኣቱም ቈልዑ፥ ንኣብ ፈሊጥኩምዎ ኢኹምሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጓብዝ፥ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፥ ነቲ ኽፉእውን ስለ ዝሰዓርኩምዎን፥ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።

15ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ንዓለም ዝፈቱ፥ ኣብኡ ፍቕሪ እግዚኣብሄር የብሉን።

16ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ስጋ፥ ባህጊ ዓይንን፥ ናይ ናብራ ትምክሕትን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን።

17ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ??ገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።

18ደቀይ፥ እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት እያ። ፀረ ክርስቶስ(ለ) ከም ዝመፅእ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ድሮውን ብዙሓት ተፃረርቲ ክርስቶስ፥ ተሲኦም ኣለዉ፤ እዚኣ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምዃና ኸዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።

19ንሳቶም ካባና እዮም ወፂኦም፤ ግና ኻባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዝኾኑ፥ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግና ኻባና ኸም ዘይኮኑ ምእንቲ ኽገሃድ ወፁ።

20ንስኻትኩም ግና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢእኹም ኢኹም፤ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።

21ነቲ ሓቂ ስለ እትፈልጥዎን፥ ኵሉ ሓሰት ካብቲ ሓቂ ኸም ዘይኮነ፥ ስለ እትፈልጡን እየ እምበር፥ ስለ ዘይትፈልጥዎ ኣይኮንኩን ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ።

22እቲ ንኢየሱስ፥ መሲሕ ምዃኑ ዝኽሕድ እንተ ዘይኮይኑኸ፥ መን እዩ እቲ ሓሳዊ? እቲ ንኣብን ንወልድን ዝኽሕድ፥ ፀረ ክርስቶስ እዩ።

23እቲ ንወልድ ዝኽሕድ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣብኡ የለን፤ እቲ ንወልድ ዝኣምን ግና፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣብኡ ኣሎ።

24እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ኾይኑ፥ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን፥ ክትነብሩ ኢኹም።

25እዙይ ከዓ፥ እቲ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

26ብዛዕባ እቶም ዘስሕቱኹም እየ እዙይ ዝፀሓፍኩልኩም።

27ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ኻብ ክርስቶስ ዝተቐበልኩምዎ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻትኩም ይነብር እዩ እሞ፥ ሓደኳ ኽምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። መንፈስ ቅዱስ፥ ብዛዕባ ዅሉ ኽምህረኩም እዩ፤ ትምህርቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ሓሰት ኣይኮነን። እምበኣር ከምቲ ዝመሃረኩም፥ ኣብ ክርስቶስ ፀኒዕኹም ንበሩ።

28እምበኣር ደቀይ፥ ንሱ ኽግለፅ እንተሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፥ በታ ዝመፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸይንሓፍርስ፥ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።

29ንሱ ፃድቕ ምዃኑ እንተ ደኣ ትፈልጡ ዄንኩም፥ ኵሉ ፅድቂ ዝገብር፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወለደ ፍለጡ።

ትርጓሜ

(1ዮሃንስ 2:1,2) ኣብ ኣቦ መሰኻኽር ኣሎና፤ እቲ ንይቕረታን ድሕነትን ብስሙ ዝሓትት፣ ኣብ ምሕጽንኡ ድማ ዝምርኮስ፣ ኣብ ክንድኡ ክምሕጸን ዝተበገሰ እሞ ምሉእ ብምሉኡ ዝኽእል እዩ። ንሱ የሱስ እዩ፣ እቲ መድሓኒ፣ ክርስቶስ፣ እቲ መሲሕ፣ እቲ ቅቡእ። ንሱ በይኑ እዩ እቲ ጻድቕ፣ እቲ ተፈጥሮኡ ካብ ሓጢኣት ንጹህ ዝነበረ፣ ከምቲ ዋሕስና ድማ ንሕጊ ኣምላኽ ብፍጹም ዝተኣዘዘ፣ በዚ ኸኣ ንኹሉ ጽድቂ ዝፈጸመ።

ኩሎም ሰባት፣ ኣብ ኩሉ ሃገር፣ ብኹሎም ወለዶታት፣ በዚ ምሉእ ብምሉኡ ዝበቅዕ መሰርሒ ሓጢኣት፣ በዛ ሓዳስን ህያውን መገዲ ድማ ናብ ኣምላኽ ክመጹ ተዓዲሞም ኣለዉ። ወንጌል፣ ቅኑዕ ብዝኾነ ኣገባብ ምስ ተረድአን ምስ ተቐበለን፣ ንልቢ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሓጢኣት የቓልሶ፣ ንዝፍቀድ ዝነበረ ተግባሩ ኸኣ የብቅዕ፤ እዚ ከም ዝኾነ ኾይኑ ድማ፣ ሕሊናኦም ንዝቖሰለን ሓጢኣት ንዝገበሩን ሰባት ቡሩኽ ምጽንናዕ ይህብ።

2:3-11 ክርስቶስ ናይ ምሉእ ምእዛዝና ኣዝዩ ብቑዕ ምዃኑ ዘይርኢ እንታይ ዓይነት ፍልጠት ክርስቶስ እዩ? ዘይእዙዝ ህይወት ድማ ኣብቲ እምነት ዝምስክር ሰብ እምነትን ቅንዕናን ከም ዘየለ የርኢ። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ሰብ ይፍጸም። ጸጋ ኣምላኽ ኣብኡ ናብ ሓቀኛ መርኣያው ይበጽሕ፣ ሉዑል ዝኾነ ውጽኢቱ ድማ ብዝተባዕተወ መገዲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝከኣል መጠን የፍሪ፣ እዚ ድማ ናይ ሰብ ሓዳስ ልደት እዩ፤ እንተኾነ ግን ኣብዚ ብፍጹም ፍጹም ኣይፍጸምን እዩ። እዚ ትእዛዛት ክርስቶስ ምሕላው ግና ቅድስናን ልዑል ዝኾነ ክብርን ኣለዎ፣ እዚ እንተድኣ ኩሉ ዝወሓጠ ኮይኑ፣ ንምድሪ ንሰማይ ከም እትመስል ምገበራ። እቲ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ ዚብል ትእዛዝ ካብ መጀመርታ ዓለም ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ነይሩ እዩ፤ ግናኸ ንክርስቲያናት ከም እተዋህበ ሓድሽ ትእዛዝ ክበሃል ይኽእል እዩ። ኩነታቶም ብዝምልከት ምኽንያታቱ፣ ስርዓታቱን፣ ግዴታታቱን ሓድሽ ዝነበረ ብምዃኑ፣ ኣብኦም ሓድሽ ነበረ። እቶም ንኣመንቲ ብጽልእን ጽልኢን ዚመላለሱ ድማ ኣብ ጸልማት ኩነታት ይነብሩ። ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ንነፍሲ ሓውና ከም ክቡር ክንርእያ፣ ንጽህናኡን ሰላሙን ዚጐድእ ኩሉ ነገር ድማ ክንፈርህ የምህረና። መንፈሳዊ ጸልማት ኣብ ዚነብርሉ፣ ኣእምሮ፣ ፍርድን ሕልናን ጸልሚቶም፣ ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚወስድ መገዲ ድማ ይጋገዩ። እዚ ነገር እዚ ሓያል ርእሰ-ምርምር የድልዮ፤ ኣምላኽ እንታይ ምዃና፣ ከበይ ከም እንኸይድ ከኣ ኬርእየና ኢልና ብቕንዕና ክንጽሊ የድሊ።

2:12-14

ክርስትያናት ፍሉይ ዝኾነ ኹነታቶም ከምዘለዎም፡ ከምኡ ድማ ፍሉይ ዝኾነ ግቡኣቶም ኣለዎም። እንተኾነ ግና ንኹሎም ዝምልከቱ ትእዛዛትን ምእዛዝን ኣሎ፡ ብፍላይ ድማ ንሓድሕድ ምፍቃርን ንዓለም ምጽራፍን። እቲ ዝነኣሰ ቕንዕና ዘለዎ ደቀ-መዝሙር ይቕሬታ ይረክብ፡ ሕብረት ቅዱሳን ድማ ምስ ስርየት ሓጢኣት ዝተኣሳሰረ እዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ክርስቶስ ነዊሕ ዝጸንሑ ተወሳኺ ምኽርን ትምህርትን የድልዮም። ኣቦታት እኳ ኺጽሓፈሎምን ኺሰብከሎምን ይግባእ፡ ንኽመሃር ዕድመ ዝገፍሐ የለን። እንተኾነ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ኣወዳት፡ ብመንፈስ ብርታዐን ቅኑዕ ኣእምሮን እንተበጽሑ፡ ቀዳሞት ፈተናታትን ዕንቅፋታትን ብዓወት ተቓዊሞም፡ ሕማቕ ልምድታትን ርክባትን ኣቋሪጾም፡ ናብ ጸቢብ ማዕጾ ናይ ሓቀኛ ምልዋጥ እንተኣተዉ እውን (ምኽሪ የድልዮም)።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ልጆቼ ሆይ፥ ኃጢአትን እንዳታደርጉ ይህን እጽፍላችኋለሁ። ማንም ኃጢአትን ቢያደርግ ከአብ ዘንድ ጠበቃ አለን እርሱም ጻድቅ የሆነ ኢየሱስ ክርስቶስ ነው። አማርኛ ENGNIV My dear children, I write this to you so that you will not sin. But if anybody does sin, we have one who speaks to the … English BCV ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።… ትግርኛ GAZBIB Yaa ijoollee ko, akka isin cubbuu hin hojjenneef kana isiniifan caafa; namni tokko illee yoo cubbuu hojjete garuu, nama… Afaan Oromoo BCV GIZ ደቂቅየ ዘንተ እጽሕፍ ለክሙ ከመ ኢተአበሱ ወእመኒ ቦ ዘአበሰ ጰራቅሊጦስ ብነ ኀበ አብ ወኢየሱስ ክርስቶስ ጻድቅ ውእቱ። giz GAZGAZ Yaa ijoollee ko, akka isin cubbuu hin hojjenneef kana isiniifan caafa; namni tokko illee yoo cubbuu hojjete garuu, nama… Afaan Oromoo AMHNIV ልጆቼ ሆይ፤ ይህን የምጽፍላችሁ ኀጢአት እንዳትሠሩ ነው፤ ነገር ግን ማንም ኀጢአት ቢሠራ፣ በአብ ዘንድ ጠበቃ አለን፤ እርሱም ጻድቁ ኢየሱስ ክርስቶስ ነው። አማርኛ SWAHSUV Watoto wangu wadogo, nawaandikia haya ili kwamba msitende dhambi. Na kama mtu akitenda dhambi tunaye Mwombezi kwa Baba,… Kiswahili