1ይ ቆረንቶስ 9

BCVትግርኛ27 ፍቕድታት4:54 ስማዕ
ስማዕ 4:54 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሓራዶ ኣይኮንኩን እየ? ሃዋርያዶ ኣይኮንኩን እየ? ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከ ኣይረአኽዎን ድየ? ንስኻትኩምከ፥ ብጐይታ ፍረ ስራሐይዶ ኣይኮንኩምን?

2ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኮንኩ፥ ንኣኻትኩምስ ሃዋርያኹም እየ፤ ማሕተም ሃዋርያነተይ፥ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹምሞ።

3ነቶም ዝነቕፉኒ መልሰይ እዙይ እዩ፦

4ክንበልዕን ክንሰትንዶ፥ መሰል የብልናን ኢና?

5ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን፥ ኣሕዋት ጐይታናን፥ ኬፋን ዝገብርዎ፥ ብእምነት ሓፍትና ዝኾነት ሰበይቲ ምሳና ኽንወስድዶ፥ መሰል የብልናን ኢና?

6ወይ ከዓ ኣነን በርናባስን ጥራሕ ዲና፥ ብኢድና ፅዒርና ኽንበልዕ ዝግብአና?

7እንታዋይ ወታደር እዩ፥ ብገንዘቡ እናተመገበ ዘገልግል? ወይኒ ተኺሉ፥ ፍረኡ ዘይበልዕኸ መን እዩ? ወይ እናጓሰየ፥ ካብተን ዝጓስየን መጓሰ፥ ፀባ ዘይሰቲ መን እዩ?

8ከም ኣተሓሳስባ ሰብ ጥራሕ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ? ሕጊ ሙሴስ ከምኡ ይብልዶ ኣይኮነን?

9ኣብ ሕጊ ሙሴ “ኣፍ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ዝብል፥ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣብዑር ድዩ ዝግደስ ዘሎ?

10ብሱሩኸ ምእንታናዶ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ? እቲ ዝሓርስ፥ ምእንቲ ብተስፋ ኽሓርስ፥ እቲ ዘኽይድውን፥ ምእንቲ ብተስፋ ከኽይድ፥ ገግደኦም ክረኽቡ ዝግብኦም ስለ ዝኾነ፥ ምእንታና እዩ ዝተፅሓፈ።

11ንሕና ነቲ መንፈሳዊ ነገር ካብ ዘራእናልኩምከ፥ ናይ ስጋዊ በረኸትኩም እንተ ዓፀድናስ፥ ዓብዪ ነገር ድዩ?

12እቶም ካልኦት፥ ምሳኻትኩም ክማቐሉ መሰል ካብ ሃለዎም፥ ንሕና ግዳ፥ ክንደይ ካብኡ ዝዓበየ መሰል ዘይህልወና? ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ ከይነዐንቅፍ፥ ንዅሉ ንፀውር ኣለና እምበር፥ ነዝ መሰል እዙይ ኣይተጠቐምናሉን።(ሀ)

13ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ፥ ካብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝምገቡ፥ እቶም ኣብ መሰውኢ ዘገልግሉ ድማ፥ ካብቲ መስዋእቲ ኸም ዝካፈሉ፥ ኣይትፈልጡን ዲኹም?(ለ)

14ከምኡ ድማ፥ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩ፥ ካብ ወንጌል ክናበሩ ሰሪዑሎም ኣሎ።

15ኣነ ግና፥ ካብዞም መሰላት እዚኣቶም ብሓደኳ ኣይተጠቐምኩን፤ ከምኡ ምእንቲ ክኾነለይ ኢለውን ኣይኮንኩን፥ እዙይ ዝፅሕፍ ዘለኹ። ሓደ ሰብ ነዝ ትምክሕተይ ከንቱ ኻብ ዝገብሮስ፥ ሞት ይሕሸኒ።

16ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፥ ዝምክሐሉ የብለይን፤ ክሰብኽ ግዴታይ እዩ እሞ፥ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ።

17ነዙይ ፈትየ እንተ ገበርክዎ፥ ዓስቢ ኣለኒ፤ እንተይፈተኹ እንተ ገበርክዎ ግና፥ ብሕድሪ ስለ ዝተውሃበኒ እዩ።

18ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ? ወንጌል ክሰብኽ እንተለኹ፥ ነቲ ወንጌል ብምስባኽ ዝግብአኒ መሰል እንተይወሰድኩ፥ ክሰብኽ እንተለኹ እዩ።

19ኣነ ኻብ ኵሉ ሓራ እንተለኹ፥ ንብዙሓት ምእንቲ ኽጠቅም፥ ንርእሰይ ባርያ ዅላቶም ገበርኩ።

20ነቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኸድሕን፥ ንኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ኾንኩ፤ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኸድሕን ከዓ፥ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኮንኩ እንተለኹ፥ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፥ ትሕቲ ሕጊ ኸም ዘሎ ኾንኩ።

21ነቶም ሕጊ ዘይብሎም ምእንቲ ኸድሕን፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ዘለንን፥ ብሕጊ ክርስቶስ ዝነብርን እኳ እንተ ሃለኹ፥ ምስቶም ሕጊ ዘይብሎም፥ ሕጊ ኸም ዘይብሉ ኾንኩ።

22ነቶም ድኹማት ምእንቲ ኸድሕን ድማ፥ ምስቶም ድኹማት፥ ድኹም ኮንኩ፤ ብዅሉ መንገዲ ንገሊኣቶም ምእንቲ ኸድሕን፥ ምስ ዅሉ ብዅሉ ነገር ከምኣቶም ኮንኩ።

23እዙይ ግና፥ ካብ በረኸቱ ኽካፈል፥ ምእንቲ ወንጌል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ።

24ኣብ ሜዳ ቕድድም ኵላቶም ከም ዝጐዩ፥ ነታ ሽልማት ዝወስዳ ግና፥ ሓደ ጥራሕ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንስኻትኩምውን ምእንቲ ኽትረኽቡ፥ ከምኡ ጕየዩ።

25እቲ ዅሉ ዝቃለስ፥ ብዅሉ ንባዕሉ መሊኹ እዩ ዝነብር። እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኽቕበሉ ይፅዕሩ፤ ንሕና ግና፥ ነቲ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክንቅበል ኢልና ኢና እንፅዕር።

26ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ግና ኸምቲ ዕላማ ዘይብሉ ኣይኮንኩን። እቃለስ፥ ምስ ንፋስ ከም ዝቃለስ ግና ኣይኮንኩን።

27ንኻልኦት እናሰበኽኩ፥ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን፥ ንሰብነተይ እቐፅዖን ኣግዝኦን ኣለኹ።

ትርጓሜ

9:1-14

ንሓደ ኣገልጋሊ፡ ንህዝቢ ንዘርኣዮ ሰናይ ድላይን ኣብ ማእከሎም ንዝገበሮ ትግሃትን ፍሩያትን ኣገልግሎትን ዘይግቡእ ምላሽ ወይ ስነምግባር ምቕባል ሓድሽ ኣይኮነን። ሃዋርያ ነቲ ገለ ሰባት ዘቕርብዎ ነቐፌታ፡ ንርእሱ ንደሓን ካልኦት መስዋእቲ ርእሱ ከም ዝገበረ (self-denial) ኣብነት ገይሩ መልሲ ሂቡ። ከምቶም ካልኦት ሃዋርያት፡ ንሱ’ውን ንምጅማር ህይወት መርዓን ካብ ኣብያተ ክርስትያን ድማ ንበዓልቲ ቤቱን እንተሃሊዎ ድማ ንውሉዱ ዘድልዮ ክሓትት ብኢዱ ከይሰራሐ መሰል ነበሮ። ንነፍሳትና ሰናይ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት፡ ዝግበኦም ቀለብ ክቐርበሎም ይግባእ። ንሱ ግና፡ ነቲ መሰሉ ብምጥቃሙ ኣገልግሎቱ ምእንቲ ከይዕንቅፍ ክብል፡ ነቲ መሰሉ ገዲፉ። ኣገልጋሊኦም ምድጋፍ ግዴታ ህዝቢ እዩ። ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ፡ ኣገልጋሊ መሰሉ ገዲፉ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ግናኸ ነቶም ዝግባእ ደገፍ ዝኽልኡ ወይ ዝነጽጉ ሰባት፡ ትእዛዝ ክርስቶስ ይጥሕሱ እዮም።

9:15-23 ንክርስቶስ ከገልግልን ነፍሳት ከድሕንን ኢሉ ርእሱ ምኽሓድ ክብሪ ሓደ ኣገልጋሊ እዩ። ኣገልጋሊ ግና ምእንቲ ወንጌል ክብል ንመሰሉ ሓዲጉ ምስ ዝሓድግ፣ ካብቲ ናይ ኣገልግሎቱን ስራሑን ዝሓትቶ ንላዕሊ ይገብር።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6