1ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህብቶ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
2ኣረማውያን ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ተታሊልኩም ናብቶም በሃማት ኣማልኽቲ ትምርሑ ኸም ዝነበርኩም፥ ትፈልጡ ኢኹም።
3ስለዙይ ከምቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝዛረብ “ኢየሱስ ርጉም እዩ” ኽብል ዘይኽእል፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ድማ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኽብል ዝኽእል፥ ሓደኳ ኸም ዘየለ አፍልጠኩም ኣለኹ።
4እምበኣርከስ ዝተፈላለየ ውህብቶ ኣሎ፤ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
5ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣሎ፤ ጐይታ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
6ዝተፈላለየ ተግባር ኣሎ፤ እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
7ግናኸ ምግላፅ መንፈስ ቅዱስ፥ ንጥቕሚ ብዙሓት፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይወሃቦ እዩ።
8ንሓደ ብመንፈስ፥ ቃል ጥበብ ይወሃቦ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ፥ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ቃል ፍልጠት ይወሃቦ።
9ንሓደ በቲ ሓደ መንፈስ፥ እምነት፤ ንሓደ ድማ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ይወሃቦ።
10ንሓደ ተኣምራት ምግባር፥ ነቲ ሓደ ድማ ትንቢት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደውን መናፍስቲ ምልላይ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደ ድማ ቛንቋታት ናይ ምትርጓም(ሀ) ውህብቶ ይወሃቦ።
11ነዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፈቐዶ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለየ ውህብ?? ይዕድሎ።
12ከምቲ ሰብነት ሓደ እንተሎስ፥ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፥ እቲ ኣካላት ከዓ ብዙሕ እንተሎ፥ ሓደ ሰብነት ከም ዝኾነ፥ ክርስቶስውን ኸምኡ እዩ።
13ንሕና ኣይሁድ ኮንና ግሪካውያን፥ ባሮት ኮንና ነፃ ሰባት ኵልና፥ ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፥ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፤ ሓደ መንፈስውን ሰተና።
14እቲ ሰብነት ከዓ ብብዙሕ እምበር፥ ብሓደ ኣካል ዝተሰርሐ ኣይኮነን።
15እግሪ፥ “ኣነ ኢድ ስለ ዘይኮንኩ፥ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን” እንተበለ፥ በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃኑ ይተርፎ እዩ?
16እዝኒ ድማ “ኣነ ዓይኒ ስለ ዘይኮንኩ፥ ናይ ሰብነት ኣካል ኣይኮንኩን” እንተበለት፥ በዙይዶ ናይ ሰብነት ኣካል ምዃና ይተርፋ እዩ?
17ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ፥ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ? እቲ ሰብነት ኵለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ፥ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ?
18ሕዚ ግና ኣምላኽ፥ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት፥ ኣብቲ ሰብነት ሰርዖ።
19ኵሉ ሓደ ኣካል እንተ ዝኸውን፥ ሰብነት ኣበይ ምተረኽበ?
20ሕዚ ግና፥ እቲ ኣካላት ብዙሕ እንተ ኾነ እኳ፥ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ።
21ስለዙይ ዓይኒ ንኢድ “ኣይደልየክን” ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፤ ርእሲ ድማ ነእጋር “ኣይደልየኩምን” ክብሎም ኣይኽእልን እዩ።
22እኳ ደኣ እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም፥ የመና ዘድልዩ።
23ነቲ ኣብ ሰብነት ዘሎ፥ ሕሱር ኣካል ዝመስለና ኸዓ፥ ብፍሉይ ክብሪ ንከናኸኖ፤ ንሓፍረትናውን የመና ብኽብሪ ንኽውሎ።
24እቲ ኽቡር ኣካልና ግና እዙይ ኣየድልዮን እዩ። ግና እቲ ኣካላት፥ ንስንሳቱ ኽፃወር እምበር፥ ኣብቲ ሰብነት ምፍልላይ ምእንቲ ኸይኸውንስ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል፥ ዝበዝሕ ክብሪ እናሃበ፥ ነቲ ሰብነት ኣጋጠሞ።
26ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።
27እምበኣርከስ ንስኻትኩም፥ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ፥ ኣካላቱ ኢኹም።
28እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሃዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሳልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደሓር ተኣምራት ዝገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም፥ ዝሕግዙ፥ ዘመሓድሩ፥ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ፥ ሰርዐ።
29ኵላቶምዶ ሃዋርያት እዮም? ኵላቶምከ ነቢያት ድዮም? ኵላቶምዶ መምህራን እዮም? ኵላቶምከ ገበርቲ ተኣምራት ድዮም?
30ኵላቶምዶ ውህብቶ ምፍዋስ ዘለዎም እዮም? ኵላቶምዶ ብቛንቋታት ዝዛረቡ እዮም? ኵላቶምከ ይትርጕሙ ድዮም?
31ነተን ዝዓበያ ውህብቶታት ደኣ ብብርቱዕ ድለዩ። ሕዚ ኸዓ፥ ዝበለፀ መንገዲ ኸርእየኩም እየ።