1ኣሕዋተይ፥ ንዅላቶም ኣቦታትና ደመና ኸም ዘፅለለሎም፥ ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
2ኵላቶም ድማ፥ ምስ ሙሴ ኽሓብሩ ብደመናን ብባሕርን ተጠመቑ።
3ኵላቶም ከዓ፥ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ።
4ኵላቶምውን፥ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኰዅሒ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ እቲ ኰዅሒ እቱይ ከዓ፥ ክርስቶስ እዩ።
5እንተ ኾነ፥ ብመብዛሕቶም እግዚኣብሄር ኣይተሓጐሰን። ስለዙይ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ተሪፎም እዮምሞ።
6እዙይ ከዓ ኸምቲ ንሳቶም ነቲ ኽፉእ ዝተመነይዎ፥ ንሕናውን ምእንቲ ኸይንምነ፥ ምሳሌ ኾነና።
7“እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ፤ ክፃወትውን ተስአ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ከምቶም ገሊኣቶም፥ መምለኽቲ ጣዖት ኣይትኹኑ።
8ከምቲ ገሊኣቶም ዘመንዘሩ እሞ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን(ሀ) ሽሕ ዝሞቱ፥ ኣይነመንዝር።
9ከምቲ ገሊኣቶም ንጐይታ ዝተፈታተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፥ ንጐይታ ኣይንፈታተን።
10ከምኡውን ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕረምረሙ እሞ፥ በቲ ዘጥፍእ ከም ዝጠፍኡ፥ ኣይነዕረምርም።
11እዝ ዅሉ ምሳሌ ክኸውን እዩ ዝበፅሖም፤ ንኣና፥ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፥ ንተግሳፅ ክኾነና እዩ ዝተፅሓፈ።
12ስለዙይ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፥ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።
13ኣብ ሰብ ካብ ዝበፅሕ ፈተና ንላዕሊ ኣይበፅሐኩምን። ስለዙይ፥ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ዘይፈቅድ እግዚኣብሄር፥ እሙን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ ግና፥ ምስቲ ፈተና መውፅኢ ኽገብረልኩም እዩ።
14ስለዙይ ፍቑራተይ! ካብ ኣምልኾ ጣዖት ረሓቑ።
15መስተውዐልቲ ኸም ምዃንኩም መጠን እየ፥ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ነዝ ዝብሎ ዘለኹ፥ ባዕልኻትኩም ፍረድዎ።
16እቲ ንሕና እንባርኾ ናይ በረኸት ፅዋዕ፥ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት፥ ዘለዎዶ ኣይኮነን? እቲ እንቘርሶ ሕብስትኸ፥ ምስ ስጋ ክርስቶስ፥ ሕብረት ዘለዎዶ ኣይኮነን?
17ኵላትና ኻብ ሓደ ሕብስቲ ንቕበል ኣለና እሞ፥ እቲ ሕብስቲ ሓደ ኸም ዝኾነ፥ ከምኡ ንሕናውን ብዙሓት እንተለና፥ ሓደ ኣካል ኢና።
18እስኪ ብስጋ ንዝኮነ እስራኤል ረአዩ፤ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝበልዑ፥ ምስቲ መሰውኢ፥ ሕብረትዶ የብሎምን እዮም?
19እሞኸ እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ዝጠቕሞ ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ? ወይ ከዓ ጣዖት ዝጠቅም ነገር ኣለዎ ማለተይ ድየ?
20ኣይኮነን፤ እቲ ኣህዛብ ዝስውእዎ፥ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣይኮነን። ንስኻትኩም፥ ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ክህልወኩም ኣይደልን።
21ፅዋዕ እግዚኣብሄርን፥ ፅዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ፥ ካብ ማእዲ እግዚኣብሄርን፥ ማእዲ ኣጋንንትን ክትሳተፉ ኣይትኽእሉን።
22እምበኣርከ ንእግዚኣብሄርዶ ኽነቕንኦ? ንሕናዶ ኻብኡ ንብርትዕ ኢና?
23ዅሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፤ ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይሃንፅን እዩ።
24ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብፃዩ ደኣ እምበር፥ ሓደኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።
25ብሕሊና እንተይመርመርኩም፥ ኵሉ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ብልዑ።
26ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን፥ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
27ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ዓደመኩም እሞ፥ ክትከዱ እንተ ደለኹም፥ ዝጠራጠር ሕሊና ኣይሃልኹም፤ ኵሉ ዝተቐረበልኩም፥ እንተይመርመርኩም ብልዑ።
28ሓደ ሰብ “እዙይስ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ” እንተበለኩም ግና፥ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን፥ ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም፥ ኣይትብልዑ።
29ሕሊና ኽብል እንተለኹ ግና፥ ናይ ብፃይካ እምበር፥ ናትካ ማለተይ ኣይኮነን። ንስኻ “ስለ ምንታይከ፥ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዝፍረድ?
30ኣነ ኣመስጊነ ዝበልዕ ኻብ ኮንኩ፥ ስለ ምንታይ ደኣ፥ በቲ ዘመስግነሉ ዝንቀፍ?” ትብል ትኸውን።
31እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ።
32ከምቲ ኣነ ንዅሉ ሰብ፥ ብዅሉ ነገር ዘሐጕስ ዘለኹ፥ ንስኻትኩም ድማ ንኣይሁድ ኮነ ንግሪካውያን ወይ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መዐንቀፍቲ ኣይትኹኑ። ኣነ ምእንቲ ኽድሕኑስ፥ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፥ ጥቕመይ ኣይደለኹንሞ።