1ይ ዜና መዋእል 3

BCV aksumትግርኛ24 ፍቕድታት3:00 ስማዕ
ስማዕ 3:00 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቶም ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፦ እቲ ኻብ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወልደ በዅሩ ኣምኖን፥ ካልኣይ እቲ ኻብ ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ዝተወልደ ዳንኤል፥

2ሳልሳይ እቲ ኻብ መዓካ፥ ጓል ተልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወልደ ኣቤሴሎም፥ ራብዓይ እቲ ኻብ ኣጊት ዝተወልደ ኣዶንያስ፥

3ሓምሻይ እቲ ኻብ ኣቢጣል ዝተወልደ ሰፋጥያስ፥ ሻድሻይ እቲ ኻብ ሰበይቱ ዔግላ ዝተወልደ ይትረሓም፥

4ሽዱሽቲኦም ኣብ ኬብሮን ተወለዱሉ። ኣብኣ ኸዓ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ። ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።

5ኣብኡ ኸዓ ኻብ ቤርሳቤህ ጓል ዓሚኤል፥ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ ኣርባዕተ ደቂ ተወለዱሉ።

6ብዘይ እዚኣቶም ድማ ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ኤሊፋላት፥

7ኖጋ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥

8ኤሊሳማ፥ ኤሊዳሄ፥ ኤሊፋላት፥ ዝበሃሉ ትሽዓተ ደቂ ነበርዎ።

9ትእማር እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም። ብዘይ እቶም ካብ ኣንስቲ ወሰኑ ዝወለዶም ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም።

10ሰሎሞን ንሮብዓም ወለደ፤ ሮብዓም ንኣቢያ፥ ኣብያ ንኣሳ፥ ኣሳ ንኢዮሳፍጥ፥ ኢዮሳፍጥ

11ንኢዮራም፥ ኢዮራም ንኣካዝያስ፥ ኣካዝያስ ንኢዮኣስ፥ ኢዮኣስ

12ንኣሜስያስ፥ ኣሜስያስ ንኣዛርያስ፥ ኣዛርያስ ንኢዮኣታም፥

13ኢዮኣታም ንኣካዝ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ፥ ሕዝቅያስ ንምናሴ፥

14ምናሴ ንኣሞፅ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ።

15ደቂ ኢዮስያስ፦ ዮሓና በዅሪ፥ ካልኣይ ኢዮኣቄም፥ ሳልሳይ ሴዴቅያስ፥ ራብዓይ ሰሎም እዮም።

16ደቂ ኢዮኣቄም፦ ወዱ ኢኮንያን፥ ወዱ ሴዴቅያስ እዮም።

17ደቂ እቲ ንባቢሎን ተማሪኹ ዝኸደ ኢኮንያን እዚኣቶም እዮም፦ ሰላትያል፥ መልኪራም፥

18ፈዳያ፥ ሼናፃር፥ ይቃምያ፥ ሆሻማ፥ ነዳብያ እዮም።

19ደቂ ፈዳያ፦ ዘሩባቤል፥ ስሜኢ እዮም። ደቂ ዘሩባቤል፦ ሜሱላም፥ ሓናንያ፤ ሰሎሚት እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም።

20ሓሹባ፥ ኦሄል በራክያ ሓሳድያ ዩሻብሔሴድ ሓሙሽተ እዮም።

21ደቂ ሓናንያ፦ ፊላጥያን፥ የሻያን ነበሩ፤ ደቂ የሻያ ደቂ ረፋያ፥ ረፋያ ደቂ ኣርናን፥ ደቂ ኣብድዩ፥ ደቂ ሴኬንያ እዮም።

22ወዲ ሴኬንያ ሸማያ ነበረ፤ ደቂ ሸማያ ድማ፥ ሓጡስ ይግኣል ባርያሕ ነዓርያ ሻፋጥ ነበሩ። ኵሎም ሽዱሽተ እዮም።

23ደቂ ነዓርያ ኸዓ ኤልዮዔናይ ሕዝቅያስ ዓዝርቃም፥ ሰለስተ እዮም።

24ደቂ ኤልዮናይ ድማ ሆዳይዋ ኤልያሴብ ፌልያ ዓቁብ ዮሓናን ደላያ ዓናኒ ነበሩ፤ ኵሎምውን ሸውዓተ ነበሩ።

ትርጓሜ

3:1-24 ወለዶታት። - ካብ ኩሎም ስድራቤታት እስራኤል፡ ከም ስድራቤት ዳዊት ዝኸበረ የልቦን ነይሩ። ኣብዚ ድማ ምሉእ ጸብጻብ ናይኦም ንረክብ። ካብዛ ስድራቤት እዚኣ፡ ብመሰረት ስጋ፡ ክርስቶስ መጺኡ። እቲ ኣቕላቢ ተዓዛቢ፡ ደቀ እቶም ጻድቃን ብዙሕ ረብሓታት ከም ዝረኽቡ ኪምልከት እዩ።

ምዕራፍ 3 ካብ ኩሎም ስድራ ቤታት እስራኤል፡ ከም ስድራ ቤት ዳዊት ዝኸበረ የልቦን። እዚኣ እያ ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፍ (ቁ. 15) እተጠቕሰት ስድራ ቤት። ኣብዚ ብዛዕባኣ ምሉእ ሓበሬታ ንረክብ።

I. ደቂ ዳዊት (ቁ. 1-9)።

II. መንግስቲ ኽሳዕ ዝቕጽል ኣብ ዝፋን ዝተተክኡ (ቁ. 10-16)።

III. ድሕሪ ምርኮን ኣብ ግዜ ምርኮን ዝነበሩ ተረፍ ስድራ ቤቱ (ቁ. 17-24)። ካብዛ ስድራ ቤት እዚኣ፡ “ብዛዕባ ስጋኡ ግና ክርስቶስ መጸ።”

ቁጽሪ 1-9 ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ኣብ 2 ሳሙኤል 3:2 ወዘተ.፡ ከምኡውን 5:14 ወዘተ. ሓበሬታ ረኺብና ኢና።

1. ብዙሓት ደቁ ነበሩዎ፤ ከም ዝሓሰቦ ድማ ጽሒፉ እዩ፡ መዝሙር 127:5። “እቲ ቅስቱ ብእኦም ዝመልአ ሰብ ብጹእ እዩ።”

2. ገሊኦም ከም ኣምኖን፡ ኣቤሴሎምን ኣዶንያስን ጓሂ ኮይኖምሉ ነበሩ፤ ካብ ሰሎሞን ወጻኢ፡ ንእግዚኣብሔር ምፍራሁን ምግልጋሉን ዝመስል ዝነበረ ሓደ እኳ ኣይንበብን፡ ንሱ እውን ከምኡ ኣይበጽሖን።

3. ሓደ ኻብቶም ባት-ሸባ ዝወለደትሉ፡ ንነብዪ ናታን ንምኽባር ኢሉ ናታን ኢሉ ሰመዮ፡ እቲ ናታን ብዛዕባ እቲ ሓጢኣቱ ዝገሰጾን ንንስሓ ንምምጻእ ዝሕግዞን ዝነበረ እዩ። ንሱ ድማ ክሳዕ ዝነብር ብሰሪ እዚ ዝያዳ ይፈትዎ ዝነበረ ይመስል። ብእምነት ዝሕዙና ሰባት ከም ዝበለጹ ኣዕሩኽና ጌርና ምውሳድ ጥበብ እዩ። ካብዚ ወዲ ዳዊት እዚ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወረደ፡ ከምቲ ኣብ ሉቃስ 3:31 ዝርአ።

4. ኣብዚ ክልተ ኤሊሻማን ክልተ ኤሊፌሌትን ኣለዉ፡ ቁ. 6, 8። እቶም ቀዳሞት ክልተ ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ስለዚ ዳዊት ካልኦት ክልተ ብስሞም ሰመዮም፡ ገሊኦም ከም ዝሓስብዎ ኣብዚ ተግባር እዚ ሕማቕ ምልክት እንተ ዝነብር ነይሩ፡ ከምኡ ኣይምገበረን።

5. ዳዊት ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦኦ፤ ግናኸ ደቆም ኣይተጠቕሱን፡ ንኽብሪ ዘይበቕዑ ስለ ዝነበሩ (ቁ.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በኬብሮንም ለዳዊት የተወለዱለት ልጆች እነዚህ ናቸው። በኵሩ አምኖን ከኢይዝራኤላዊቱ ከአኪናሆም፥ ሁለተኛውም ዳንኤል ከቀርሜሎሳዊቱ ከአቢግያ፥ አማርኛ ENGNIV These were the sons of David born to him in Hebron: The firstborn was Amnon the son of Ahinoam of Jezreel; the second, … English BCV እቶም ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፦ እቲ ኻብ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወልደ በዅሩ ኣምኖን፥ ካልኣይ እቲ ኻብ ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ዝተወልደ ዳንኤል፥ ትግርኛ GAZBIB Ilmaan Daawit warri Kebroonitti dhalataniif warra kanatti aananii jiranii dha; inni angafni Amnoon, isa Ahiino'aam Yizr… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእሉ ደቂቁ ለዳዊት እለ ሎቱ ተወልዱ በኬብሮን በኵሩ አምኖን እምአኪናኦም እስራኤላዊት ወካዕቡ ደልዊያ እምአበጊያ ቀርሜላዊት። giz GAZGAZ Ilmaan Daawit warri Kebroonitti dhalataniif warra kanatti aananii jiranii dha; inni angafni Amnoon, isa Ahiino'aam Yizr… Afaan Oromoo AMHNIV ዳዊት በኬብሮን ሳለ የወለዳቸው ወንዶች ልጆች እነዚህ ነበሩ፤ ከኢይዝራኤላዊቷ ከአኪናሆም የተወለደው የበኵር ልጁ አምኖን፣ ሁለተኛው ከቀርሜሎሳዊቷ ከአቢግያ የተወለደው ዳንኤል፣ አማርኛ SWAHSUV Basi hawa ndio wana wa Daudi, aliozaliwa huko Hebroni; Amnoni, mzaliwa wa kwanza, mwana wa Ahinoamu, Myezreeli; wa pili… Kiswahili