1ይ ዜና መዋእል 19

BCV aksumትግርኛ19 ፍቕድታት3:38 ስማዕ
ስማዕ 3:38 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ።

2ዳዊት ድማ “ኣቦኡ ንኣይ ፅቡቕ ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፥ ኣነ ድማ ንሓኖን ወዲ ናዖስ ፅቡቕ ክገብረሉ እየ” በለ። ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ሓሻኽር ዳዊት ድማ ንሓኖን ከፀናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ከዱ።

3እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ግና ንሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ? እዚኣቶም ነዛ ሃገር ምእንቲ ኽምርምርዋን ክስልይዋን ክሕዝዋን እዮም መፂኦም ዘለዉ” በልዎ።

4ሽዑ ሓኖን ነቶም ንልኡኻት ዳዊት ወሲዱ ላፀዮም፤ ንኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጥቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።

5ዝኾኑ ሰባት ከይዶም ከዓ እቲ ነቶም ሰባት ዝበፅሖም ነገር ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ እቶም ሰባት የመና ሓፊሮም ነበሩ እሞ፥ ዝራኸብዎም ሰባት ሰዲዱ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ” በሎም።

6ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ረአዩ፥ ካብ ላዕለዋይ መስጴጦምያን ካብ ሶርያ ናይ መዓካን ካብ ሱባን ዕሱባት ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ክቘፅሩ፥ ሓደ ሺሕ መክሊት(ሀ) ብሩር ለኣኹ።

7እቶም ዝተዓሰቡ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ሰራዊት ንጉስ መዓካን መፂኦም ኣብ ጥቓ ሜዳ ሰፈሩ፤ ደቂ ኣሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ወፂኦም ንውግእ ተሰለፉ።

8ዳዊት ከዓ ሰሚዑ፥ ንኢዮኣብን ንዅሎም ጀጋኑ ሰራዊትን ሰደደ።

9ደቂ ኣሞንውን ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ረባት እትበሃል ከተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመፁ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ።

10ኢዮኣብ ከዓ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝተኸበበ ምስ ረአየ፥ ካብ ኵሎም እስራኤል ጀጋኑ ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።

11እቲ ዝተረፈ ሰራዊት ከዓ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ሓዉ ገበሮ፤ ንደቂ ኣሞን ክዋግእዎም ድማ ተሰለፉ።

12ንኣቢሳ ኸዓ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፤ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ፥ ኣነ ኽረድአካ እየ።

13ፅናዕ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በሎ።

14ሽዑ ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ንሶርያውያን ክዋግእዎም ንቕድሚት ደፍኡ፤ ሶርያውያን ከዓ ተስዒሮም ካብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ።

15እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሓዉ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።

16ሶርያውያን ከዓ ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ልኡኻት ሰዲዶም ካብቶም ኣብ ሰገር ሩባ ዝነበሩ ሶርያውያን ሰራዊት ኣምፅኡ፤ ናይ ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ሓለቓ ሰራዊት ሾፋክ ድማ ይመርሖም ነበረ።

17እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽቲቱ፥ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ናብኣቶም ቀሪቡ ድማ ኽዋግኦም ተሰለፈ። ዳዊት ነቶም ሶርያውያን ክዋግኦም ምስ ተሰለፈ ኸዓ፥ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ።

18እቶም ሶርያውያን ድማ ብእስራኤላውያን ተስዒሮም ሃደሙ። ዳዊት ከዓ ኻብ ሶርያውያን ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ኣጋር ሰራዊትን ቀተለ፤ ንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ።

19እቶም ኣብ ትሕቲ ሃዳርዔዘር ዝነበሩ ነገስታት ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ ዳዊት ተዓረቑ እሞ ተገዝእዎ፤ ገበሩሉውን። ብድሕሪዙይ ድማ እቶም ሶርያውያን ንደቂ ኣሞን ምሕጋዝ ሓደግዎ።

ትርጓሜ

19:1-19 ውግኣት ዳዊት። – እዚ ኣብ 2ሳሙኤል 10 ዘንበብናዮ ታሪኽ ኣብዚ ደጊሙ ተዘርዚሩ ኣሎ። ናይ ሓጥኣን እንኮ ድሕነት ብንእግዚኣብሔር ምእዛዝ፡ ምስኡ ሰላም ብምድላይ፡ ከምኡ'ውን ኣገልገልቱ ብምዃን ጥራይ እዩ ዝርከብ። ኣብ ሰናይ ዕላማ ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ። ግና ንኻልኦት መሳርሒ ሰናይ ክንከውን ከለና፡ ብዘይምእማንን ብሓጢኣትን ምኽንያት፡ ካብ ድሕነት ከይንሓስር ንፍራሕ።

ምዕራፍ 19 እዚ ታሪኽ እዚ፡ ዳዊት ምስ ኣሞናውያንን ምስ መሓዙቶም ሶርያውያንን ዝገበሮ ውግእን ዝረኸቦ ዓወታትን ዝድገመሉ እዩ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2 ሳሙኤል 10 ተገሊጹ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ዝርከብ ድማ፡

I. ዳዊት ንንጉስ ኣሞን፡ ኣቦኡ ምስ ሞተሉ ሓዘኑ ንምግላጽ ልኡኻት ብምልኣኽ ዘርኣዮ ሰናይ ምግባር (ቁጽሪ 1, 2)።

II. ንሱ ድማ ንልኡኻት ዳዊት ብሕሱም ብምግባር ንዳዊት ዘርኣዮ ዓቢ ዘይስሩዕነት (ቁጽሪ 3, 4)።

III. ዳዊት ነዚ ብቕንዕና ምጽላኡ፡ በዚ ድማ ዝተላዕለ ውግእ፡ ኣሞናውያን ንሶርያውያን ንምሕጋዞም ብምምጻእ ብጥበብ ዝተዋግኡሉ (ቁጽሪ 6, 7)፡ ዮኣብ ብትብዓት ዝተዋግአሉ (ቁጽሪ 8–13)፡ እስራኤል ድማ ደጋጊማ ዝሰዓረትሉ (ቁጽሪ 14–19)።

ቁጽሪ 1-5 ኣብዚ እዞም ዝስዕቡ ነስተውዕል፡

1. ጽቡቕ ሰባት ጎረባብቲ ክኾኑን ብፍላይ ድማ ኣመስገንቲ ክኾኑን ይግባእ። ዳዊት ንሓኑን ጎረቤቱ ስለ ዝኾነ ኣኽብሮት ክህቦ እዩ። ሃይማኖት ድማ ንኹሉ ሰብ ቅኑዓትን ልግስና ዘለዎምን ክንከውን፡ ንኹሉ ሰብ ከነኽብር፡ ኣብ ማእከልና ንዝነብሩ ድማ ኩሉ ዓይነት ሕያውነት ንምግባር ድሉዋት ክንከውን ትምህረና። ፍልልይ ሃይማኖት ድማ ነዚ ዕንቅፋት ክኸውን የብሉን። ግናኸ፡ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዳዊት ኣቦኡ ዝገበረሉ ሕያውነት ዘከረ። ሕያውነት ዝተገብረሎም ሰባት ብዝኽእልዎ መጠንን ዕድል ብዝረኸቡሉን ክምልስዎ ይግባእ። ካብ ወለዲ ሕያውነት ዝረኸቡ ድማ፡ ንሳቶም ምስ ሓለፉ ንደቆም ክምልስዎ ይግባእ።

2. ከምቲ ምሳሌ ጥንታውያን ዝብሎ፡ እከይ ካብ እኩያት ይወጽእ፡ 1 ሳሙኤል 24:13። እቲ ሕሱም ሰብ ሕሱም ነገር ይዛረብ፡ መሳርሒታት እቲ ንፉግ ድማ እኩይ ክኸውን እዩ፡ ንቕኑዕ ዝዛረቡ ሰባት ብሓሳዊ ቃላት ንምጥፋእ፡ ኢሳይያስ 32:6, 7። እቶም ሕሱማትን ንርእሶም እኩይ ዝሓስቡን፡ ብዘይ ምኽንያት ንኻልኦት ክቐንኡን እኩይ ክጥርጥሩን ይቐልሎም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6