ፊንሐስ

ኤሊትግርኛ

ኣብ እዋን ሕቡር ንግስና ዝነበረ ሊቀ ካህን እዩ። ንመጀመርታ እዋን ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ 1ሳሙ.1.3. እዩ።

ፊንሓስ ኣብ ሴሎ ኣብ ዝነበረ ድንኳን ምብራኽ ዘገልግል ዝነበረ ሓደ ኻብቶም ክልተ ደቁ ሊቀ ካህን ኤሊ እዩ ነይሩ (1ኛ ሳሙ 1:3)። ፊንሓስ ምስ ሓዉ ሖፍኒ ሓቢሩ፡ ንእግዚኣብሔር ዘይፈልጡ ዘይጠቅሙ ሰባት ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ (1ኛ ሳሙ 2:12)። ካብቲ መስዋእቲ ዝግበር ስጋ ብልጫ ብምውሳድ ከምኡውን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምብራኽ ምስ ዘገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ ብጾታዊ ብልግና ብምሕባር፡ ግቡኦም ከም ሊቃውንቲ ኣበላሽዎ (1ኛ ሳሙ 2:13-17, 22)። ኤሊ ንደቁ ብኽፉእ ተግባራቶም ገሰጾም፡ ግናኸ ኣይሰምዕዎን (1ኛ ሳሙ 2:22-25)። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቶም ክልተ ደቁ ብሓንቲ መዓልቲ ኸም ዝሞቱ ንኤሊ ትንቢት ተነግሮ (1ኛ ሳሙ 2:34)። ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤላውያን ኣብ ውግእ ምስ ሰዓሩ፡ ታቦት ኪዳን ምስ ማረኹ፡ ንሖፍኒን ንፊንሓስን ምስ ቀተሉ፡ እዚ ትንቢት እዚ ተፈጸመ (1ኛ ሳሙ 4:11)። ኤሊ ንዜና ሞት ደቁን ምምራኽ ታቦትን ምስ ሰምዐ፡ ናብ ድሕሪት ወዲቑ ክሳዱ ተሰቢሩ ሞተ (1ኛ ሳሙ 4:17-18)። ጥንሲ ዝነበራ ሰበይቲ ፊንሓስ ሕማም ወሊድ ሓዛ እሞ፡ ኢካቦድ ዝተባህለ ወዲ ድሕሪ ምውላዳ ሞተት። እዚ ድማ “ክብሪ ኻብ እስራኤል ርሒቑ” ማለት እዩ (1ኛ ሳሙ 4:19-22)።