ሔሌቅ

ገለዓድትግርኛ

ኣብ ግብጽን ኣብ ምድረ በዳን ዝነበረ ካብ ነገድ ምናሴ ዝኾነ ሰብ ኮይኑ፡ ንመጀመርታ ግዜ እተጠቕሰ ኣብ ዘሁልቍ.26.30 እዩ።

ሔሌቕ ወዲ ዮሴፍ ካብ ዘርኢ ምናሴ ዝነበረ ወዲ ጊልዓድ ነበረ። ንሱ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዘሁልቍን ኢያሱን ኣብ ዝርዝር ወለዶ ነገድ ምናሴ ተጠቒሱ ኣሎ (ዘኍ 26:30;ኢያ 17:2)። ደቁ ንሔሌቕ ካብቶም ኣብ ነገድ ምናሴ ዝነበሩ ነገዳት ሓደ ዝኾኑ ሔሌቓውያን ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ። ሔሌቓውያን ምስ ካልኦት ነገዳት ምናሴ ሓቢሮም ብመሪሕነት ኢያሱ ኣብ ምድሪ ተስፋ ውርሻኦም ተቐቢሎም እዮም (ኢያ 17:2)። ብዛዕባ ሔሌቕ ባዕሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተዋህበን (ዘኍ 26:30;ኢያ 17:2)።