ትንቢት ጸፎንያስ 2

BCVትግርኛ14 ፍቕድታት3:12 ስማዕ
ስማዕ 3:12 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፥ እቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እንተይወፀ፥ እቲ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ እንተይሓለፈ፥ እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር እንተይመፀኩም፥ እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተየርከበትኩም፥ ተኣከቡ።

3ኣቱም ፍርዱ እትሕልዉ፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ኵላትኩም ትሑታት፥ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ። ምናልባሽ በታ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ዝገልፀላ መዓልቲ እንተ ተሓባእኹምስ፥ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፤ ትሕትናውን ድለዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ንርእስኹም ኣዋርዱ።

4ጋዛ ኽትብዝበዝ እያ፤ ኣስቃሎንውን ክትባድም እያ። ንኣዛጦን ከዓ ብቐትሪ ናብ ወፃኢ ኽሰጕዋ እዮም፤ ኣስቀሎና ድማ ኽትንቀል እያ።

5ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝነብሩ ከሊታውያን፥ ወይለኦም! ኦ ከነዓን ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ፤ ዝነብረካ ሰብ ክሳዕ ዘይርከብ ድማ ኸጥፍአካ እየ።

6ቀርጤስውን መንበሪ ጓሶትን፥ ደምበ መጓሰን ክኸውን እዩ።

7እቲ ገማግም ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክምልከቶም፥ ምርኮኣቶምውን ክምልሰሎም እዩሞ፥ ኣብኡ ኽጓስዩ እዮም፤ ምሸት ከዓ ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ክድቅሱ እዮም።

8“ኣነ፥ እቲ ህዝቢ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ንህዝበይ ብዛዕባ ርስቶም እናተዓበዩ ዘላግፁሎምን ዝፀርፍዎምን ፀርፊ ሰሚዐዮ ኣለኹ።

9ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየሞ፥ ብርግፅ ሞኣብ ከም ሰዶም፥ ደቂ ኣሞንውን ከም ገሞራ፥ ምድሮምውን ዓውሊ ዝወረሶን፥ ጕድጓድ ጨውን፥ ንዘለኣለም ዝዓነወን ክኸውን እዩ። እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ህዝበይ ክዘምትዎም፥ ሓድጊ ህዝበይውን ክወርስዎም እዮም።”

10ንህዝቢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣላጊፆምሉን፥ ተዓብዮምሉን እዮም እሞ፥ እዙይ ብሰንኪ ትዕቢቶም ክወርዶም እዩ።

11እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።

12ኣቱም ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፥ ብሰይፈይ ክትቕተሉ ኢኹም።

13ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ክዝርግሕ እዩ እሞ፥ ንኣሶር ከጥፍኣ እዩ። ንነነዌ ድማ ኸባድማን፥ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ክገብራን እዩ።

14ንሳ ናይ ኵሎም ኣህዛብ እንስሳ ዝዔማላ ስፍራ ኽትከውን እያ። ኣባ ጕምባሕን ቅንፍዝን ኣብቲ ዝፈረሰ ጕልላታ ኽሓድሩ እዮም፤ ድምፆም ከዓ ኻብቲ መሳዅታ ኽስማዕ እዩ። ኳዃት ኣብ ልዳውታ ኾይኖም ከድምፁ እዮም፤ እቲ ብፅሕዲ ሊባኖስ ዝተሰርሐ ስርሓት ድማ ኽቕላዕ እዩ።

15ነታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸዓ “ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ሓደ እኳ የለን” እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ፤ ክንድዙይ ዝባደመትን መሕደሪ ኣራዊትን ከመይ ኮነት! ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ኢዱ እናዋጣወጠ ይፋፅየላ።

ትርጓሜ

2:1-3 ነብዪ ናብ ሃገራዊ ንስሓ ይጽውዕ፣ ከምቲ ሃገራዊ ጥፍኣት ንምክልኻል ዘሎ እንኮ መንገድ። ናብ ኣምላኽ ዘይትብህግ፣ ንሞገሱን ጸግኡን ዘይትደሊ ህዝቢ፣ ንስሓ ንምእታውን ንምምሓርን ኣይትሓስብን። ወይ ድማ፣ ዘይትድለ፣ ንኣምላኽ ዜእምኖም ነገር የብሎምን፤ ኣምላኽ ብቕንዕና 'ኣባይ ርሓቑ' ኪብሎም ዝኽእል እዩ። ግናኸ ንሱ፣ 'ናባይ ተኣከቡ፣ ንገጸይ ክትድልዩ' ይብል ኣሎ። ፍርዲ ኣምላኽ ብናይ ዘይተነሰሑ ሓጥኣን እንታይ ከምጽእ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና፣ ስለዚ ብቕቡል ግዜ ንስሓ ምእታው ንኹሉ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ኹላትና ምስ ኣምላኽ ሰላም ንምድላይ ክንደይ ዓብዪ ጥንቃቐ የድልየና፣ መንፈስ ቅዱስ ካባና ቅድሚ ምውጻኡ፣ ወይ ድማ ምሳና ምቅላስ ቅድሚ ምቁራጹ፤ ናይ ጸጋ መዓልቲ ወይ ድማ ናይ ህይወት መዓልቲ ቅድሚ ምው…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6