ትንቢት ጸፎንያስ 1

BCV aksumትግርኛ18 ፍቕድታት6:11 ስማዕ
ስማዕ 6:11 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቲ ብዘመን ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ፥ ናብ ሶፎንያስ ወዲ ኩሺ፥ ወዲ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ንጉስ ሕዝቅያስ፥ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦

2“ኣነ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከጥፍኦ እየ” ይብል እግዚኣብሄር።

3“ንሰብን እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ከጥፍኦም እየ፤ ንመዐንቀፊታት ምስቶም ክፉኣት ከጥፍኦም እየ፤ ንደቂ ሰብውን፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።

4“ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ ካብዝ ቦታ እዙይ፥ ንተረፍ ጣዖት በዓል፥ ንስም እቶም ካህናት ጣዖታት፥ ምስቶም ካህናት ከጥፍኦም እየ።

5ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ደዪቦም፥ ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱ ኸጥፍኦም እየ። ነቶም ንእግዚኣብሄር እናሰገዱን፥ ብስመይ እናመሓሉን፥ ተመሊሶም ከዓ ብስም ጣዖት ሚልኮም ንዝምሕሉ ኸጥፍኦም እየ።

6ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።”

7መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያሞ፤ እግዚኣብሄርውን መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ፥ ነቶም ዕዱማቱ ኸዓ ቀዲስዎም እዩሞ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ስቕ በሉ።

8“በታ መዓልቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር፥ ኣነ ንዅሎም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዝኽደኑን ክቐፅዖም እየ።

9በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሎም ጣዖት ዘምልኹን፥ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመፅን ብጥበራን ንዝመልእዋ ኽቐፅዖም እየ።

10“በታ መዓልቲ እቲኣ ይብል እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ብወገን ኣፍ ደገ ዓሳ፥ ድምፂ ብኽያት ክስማዕ እዩ። ካብቲ ኻልኣይ ደገ ኸዓ ኣውያት ክስማዕ እዩ፤ ካብቲ እምባታት ድማ ድዋዕዋዕ እናበለ ናይ ዝወድቕ ነገር ድምፂ ኽስማዕ እዩ።

11ኵሉ ህዝቢ ከነዓን ጠፊኡ፥ እቶም ብሩር ዝተሸከሙ ጠፊኦም እዮም እሞ፥ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ ብኸዩ።

12“በቲ ዘመን እቱይ ንኢየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽምርምራ እየ፤ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን፥ ብልቦም፥ ‘እግዚኣብሄርስ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይገብርን እዩ’ ንዝብሉ ሰባት ክቐፅዖም እየ።

13ሃብቶም ክዝመት፥ ኣባይቶም ክዓንዉ እዮም፤ ኣባይቲ ይሰርሑ፥ ግናኸ ኣይነብርዎን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ይተኽሉ፥ ግና ወይኑ ኣይሰትዩን እዮም።”

14እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፤ የመናውን ቀልጢፋ ኣላ። ድምፂ እታ መዓልቲ እቲኣ መራር እያ፤ ሽዑ ጅግና እኳ ኣምሪሩ ኸእዊ እዩ።

15እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፥ መዓልቲ ፀበባን መከራን፥ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፥ መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን ክትከውን እያ።

16ንተን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ነዋሕቲ ግምብታትን፥ መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።

17“ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ሰሪሖም እዮምሞ፥ ከም ዕውር ክሳዕ ዝኸዱ ንሰባት ከጨንቖም እየ፤ ደሞም ከም ማይ ክፈስስ፥ ስጋኦም ከዓ ኸም ጐሓፍ ክጐሓፍ እዩ።”

18ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንሱ ኸዓ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቐልጢፉ ኽውድኦም እዩ፤ ግናኸ ዅላ እታ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትነድድ እያ።

ትርጓሜ

1:1-6

ጥፍኣት ይመጽእ ኣሎ፣ ምሉእ ጥፍኣት፤ ጥፍኣት ካብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ። ኩሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ንረሲእ ሰላም የብሉን” ኢሎም ይእውጁ። እዞም ኣበሃህላታት ምሳሌያዊ እዮም፣ ኣብ ኩሉ ስፍራ ውድቀት ይዛረቡ፤ እታ ምድሪ ብዘይ ነባርቲ ክትተርፍ እያ። እቶም ዝጠፍኡ ሓጥኣን እዞም እዮም፡ እቶም ብግልጺ ጣኦታት ዝምልኹ፣ ከምኡ’ውን እቶም ንእግዚኣብሔርን ንጣኦታትን ዝምልኹ፣ ወይ ንእግዚኣብሔርን ንማልካምን ዝምሕሉ። እቶም ንፍቕሮምን ኣምልኾኦምን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ጣኦታትን ክመቓርሑ ዝሓስቡ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምቕቡልነት ክረኽቡ ኣይከኣሉን፤ ከመይሲ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን እንታይ ርክብ ክህሉ ይኽእል? ሰይጣን ፍርቂ እንተደኣ ረኺቡ፣ ንኹሉ ክሕዝ እዩ፤ እግዚኣብሔር ግና ፍርቂ ጥራይ እንተደኣ ረኺቡ፣ ዝኾነ የብሉን። ንኣምላኽ ምጥላም ዘይኣምላኻዊ ባህሪን ንዕቀትን የርኢ። ካባና ሓደ እኳ ናብ ጥፍኣት ካብ ዝምለሱ ሰባት ኣይንኹን፣ ግናኸ ንነፍሲ ንምድሓን ዝኣምኑ ንኹን።

1:7-13

መዓልቲ እግዚኣብሔር ቀሪባ እያ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በይሁዳ ንጉሥ በአሞጽ ልጅ በኢዮስያስ ዘመን ወደ ሕዝቅያስ ልጅ ወደ አማርያ ልጅ ወደ ጎዶልያስ ልጅ ወደ ኵሲ ልጅ ወደ ሶፎንያስ የመጣ የእግዚአብሔር ቃል ይህ ነው። አማርኛ ENGNIV The word of the Lord that came to Zephaniah son of Cushi, the son of Gedaliah, the son of Amariah, the son of Hezekiah,… English BCV እቲ ብዘመን ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ፥ ናብ ሶፎንያስ ወዲ ኩሺ፥ ወዲ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ንጉስ ሕዝቅያስ፥ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ትግርኛ GAZBIB Kun dubbii Waaqayyoo isa bara Yosiyaas ilmi Amoon mootii Yihudaa ture gara Sefaaniyaa ilma Kuushii, ilma Gedaaliiyaa, i… Afaan Oromoo BCV GIZ ቃለ እግዚአብሔር ዘኮነ ኀበ ሶፎንያስ ወልደ ኵስ ወልደ ጎዶልያ አሞራዊ ዘስየዴቅያ በመዋዕለ ዮስያ ወልደ አሞጽ ንጉሠ ይሁዳ። giz GAZGAZ Kun dubbii Waaqayyoo isa bara Yosiyaas ilmi Amoon mootii Yihudaa ture gara Sefaaniyaa ilma Kuushii, ilma Gedaaliiyaa, i… Afaan Oromoo AMHNIV በይሁዳ ንጉሥ በአሞጽ ልጅ በኢዮስያስ ዘመን ወደ ሕዝቅያስ ልጅ፣ ወደ አማርያ ልጅ፣ ወደ ጎዶልያስ ልጅ፣ ወደ ኵሲ ልጅ ወደ ሶፎንያስ የመጣ የእግዚአብሔር ቃል ይህ ነው፤ አማርኛ SWAHSUV Neno la Bwana lililomjia Sefania, mwana wa Kushi, mwana wa Gedalia, mwana wa Amaria, mwana wa Hezekia; katika siku za Y… Kiswahili