ትንቢት ዘካርያስ 14

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት4:51 ስማዕ
ስማዕ 4:51 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እንሆ መዓልቲ እግዚኣብሄር ክመፅእ እዩ፤ ዝዘመቱኺ ኸዓ ኣብ ውሽጥኺ ኽማቐልዎ እዮም።

2ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም።

3ሽዑ እግዚኣብሄር ከምቲ ብጊዜ ዂናት ዝተዋግኦ፥ ንኣህዛብ ክዋግኦም ክወፅእ እዩ።

4በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብቲ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ደብረ ዘይት፥ ኣእጋሩ ኽቖማ እየን። ደብረ ዘይት ኻብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ፥ ኣብ ክልተ ኽስንጠቕ እዩ። የመና ዓብዪ ለሰውን ክኸውን እዩ። ፍርቂ እቲ እምባ ናብ ሰሜን፥ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ክሰሓብ እዩ።

5ለሰ እቲ እምባ ክሳዕ ኣፀል ክበፅሕ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም በቲ ለሰ እምባታት ክትሃድሙ ኢኹም። ኣቦታትኩም ብዘመን ኦዝያን ንጉስ ይሁዳ ኸም ዝኾነ፥ ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተልዓለ ኸም ዝሃደሙ፥ ክትሃድሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከዓ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ።

6በታ መዓልቲ እቲኣ በረድን ኣስሓይታን እምበር ብርሃን ኣይኸውንን።

7ሓደ መዓልቲ እውን ይኸውን፤ ንሱውን ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ ይኸውን፤ መዓልቲ ኣይኸውንን፤ ለይቲ እውን ኣይኸውንን፤ እንትመሲ ድማ ብርሃን ይኸውን።

8በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ማይ ህይወት ካብ ኢየሩሳሌም ክውሕጅ እዩ፤ ፍርቁ ናብ ምስራቓዊ ባሕሪ፥ ፍርቁ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኽፈስስ እዩ። እዙይ ብሓጋይን ብኽረምትን ይኸውን።

9እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኽነግስ እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ሓደ፥ ስሙውን ሓደ ክኸውን እዩ።

10ኵላ ምድሪ ኻብ ጌባ ጀሚሩ ብደቡብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘላ ኽሳዕ ሞሬን፥ ተለዊጣ ኸም ዓረባ ኽትከውን እያ፤ ንሳ ልዕል ልዕል ክትብል እያ። ካብ በሪ ቢንያም ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ በሪ ኽሳዕ እቲ በሪ መኣዝኑ፥ ካብ ግንቢ ሓናንኤል ክሳዕ እቲ መፅመቚ ወይኒ ንጉስ ኣብ ስፍራኣ ኽትነብር እያ።

11ህዝቢ ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ብድሕሪኡ ርግማን ኣይኸውንን፤ ኢየሩሳሌም ሃዲኣ ብሰላም ክትነብር እያ።

12እግዚኣብሄር ነቶም ንኢየሩሳሌም ዝወግእዋ ዅላቶም ኣህዛብ ዝወቕዐሉ መቕሰፍቲ እዙይ እዩ፤ ገና ብእግሮም ቆይሞም እንተለዉ ስጋኦም ክብስብስ እዩ፤ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን እንተለዋ ኽብስብሳ እየን፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም እንተላ ኽትብስብስ እያ።

13በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ካብ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዓብዪ ራዕዲ ኽወርድ እዩ። ንስንሳቱ ኢድ ብፃዩ ኽሕዝ እዩ፤ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ኽለዓል እዩ።

14ይሁዳ ድማ፥ ኣብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኽዋጋእ እዩ፤ ሃብቲ ዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ፥ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ድማ ኽእክብ እዩ።

15ኣብ ልዕሊ ፈረስን በቕልን ግመልን ኣድግን፥ ኣብቲ ሰፈር እቱይ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ዅሉ እንስሳን ዘፅንት መዓት ክወርድ እዩ።

16ሽዑ ኻብቶም ንኢየሩሳሌም ዝወግእዋ ኣህዛብ፥ ካብ ሞት ዝተረፉ ዅሎም፥ ነቲ ንጉስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምስጋድን በዓል ዳስ ንምኽባርን፥ በብዓመቱ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ እዮም።

17ካብ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ነቲ ንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደዪቦም፥ ዝናም ኣይዘንቦምን እዩ።

18ግብፃውያን ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደየቡን በዓል ዳስ እንተ ዘየብዓሉን፥ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዘይድይቡ ኣህዛብ፥ ዝቐፅዐሉ መዓት ከውርደሎም እዩ።

19እዙይ ቅፅዓት ግብፅን፥ ቅፅዓት እቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ ናብ ኢየሩሳሌም ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ።

20በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጭል ኣፍራስ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ክፀሓፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሎ ድስትታት ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሒላባት ቅዱስ ክኸውን እዩ።

21ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዘሎ ድስትታት፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እቶም መስዋእቲ ኽስውኡ ዝመፁ ዅላቶም፥ ነቲ ድስትታት ብምውሳድ ከዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ኣብኡ ኸብስልዎ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኣብታ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከነዓናዊ ኸቶ ኣይህሉን እዩ።

ትርጓሜ

14:1-7

እግዚኣብሔር የሱስ ኣብ ምድሪ ክነብር ከሎ፡ ኣብ ደብረ ዘይቲ ብተደጋጋሚ ይቐውም ነበረ። ካብኡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ድሕሪኡ ድማ ጥፍኣትን ጭንቀትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይሁድ ወረደ። እዚ ብምስላ ዝውሰድ ኣረኣእያ እዩ፤ ብዙሓት ግን ገና ዘይተፈጸሙ ፍጻሜታት መፍለጢ ገይሮም ይርእይዎ፡ ሕጂ ንምሉእ ብምሉእ ክንርደኦም ዘይንኽእል ጸገማት ከም ዝምልከት ድማ ይኣምኑ። ነፍሲ ወከፍ ምእመን፡ ኣምላኽ ናቱ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ምስኡ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ብምምጻእ ክርስቶስ ብሓይሊ እናተጸበየ ክዕወት ይኽእል እዩ፡ ብሓጎስ ድማ ብዛዕባኡ ክዛረብ ይኽእል። ንነዊሕ እዋን፡ ኩነታት ቤተ ክርስትያን ብሓጢኣት ይበላሾ፡ ሓቅን ስሕተትን፡ ሓጎስን መከራን ተሓዋዊሶም ይርከቡ። እዚ ድማ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ተመክሮ እዩ፡ ናይ ጸጋን ብልሽውናን ዝተሓዋወሰ ኩነታት እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ እዋን ዝኸፍአን ተስፋ ዘይብሉን ክኸውን ከሎ፡ እግዚኣብሔር ጸልማት ናብ ብርሃን ይቕይር፤ ምድሓን ድማ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምጽባይ ክዕርፉ ከለዉ ይመጽእ።

14:8-15 ገሊኦም ከም ዝብልዎ፡ ካብ የሩሳሌም ዝጀመረ ምዕባለ ወንጌል፡ ካብዛ ከተማ እተፈልፍል ህይወት ዘለዋ ማያት ዝምልከት እዩ። ወንጌልን መንገዲ ጸጋን፡ ከምኡ እውን በቲ መንገዲ እቲ ኣብ ልቢ ምእመናን ብመንፈስ ዝተሰርሐ ጸጋታት፡ ብሰንኪ ትኩሳት ስደት ይኹን፡ ወይ ብውሽንፍናታት ፈተና፡ ወይ ድማ ብደበናታት ካልእ ሽግር ፈጺሙ ኣይጠፍእን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6