ትንቢት ዘካርያስ 13

BCV aksumትግርኛ9 ፍቕድታት2:30 ስማዕ
ስማዕ 2:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቤት ዳዊትን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን፥ ካብ ሓጢኣትን ካብ ርኽሰትን እተንፅህ፥ ዓይኒ ማይ ክትክፈተሎም እያ።

2በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

3ሽዑ ዝኾነ ሰብ ትንቢት እንተ ተናገረ፥ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ‘ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሰት ተናጊርካ ኢኻሞ ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻ’ ኽብልዎ እዮም። ትንቢት እንትናገርውን እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ክወግእዎ እዮም።

4በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኵሎም ነቢያት ትንቢት እንትናገሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ስለ እቲ ዝናገሮ ራእይን ትንቢትን ይሓፍር፤ ንምትላልውን ወጮ ኣይለብሱን።

5ንሱ ግና ‘ኣነ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ንሰብ እግዛእ ስለ ዝነበርኩ፥ ስራሐይ ማሕረስ እምበር ነቢይ ኣይኮንኩን’ ይብል።

6ሰብ ድማ ‘እዝ ኣብ ማእኸል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ ደኣ እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንትጥይቖ፥ ንሱ ‘ኣብ ቤት ፈተውተይ ዝቘሰልክዎ ቝስሊ እዩ’ ይብል።”

7ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ፤ ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ ፋሕ ይበላ። ኣነ ኸዓ ቕልፅመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣናእሽቱ ኽመልስ እየ።

8ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ድማ እቶም ክልተ ኢድ ተቘሪፆም ክሞቱ እዮም፤ እቶም ሳልሳይ ኢድ ግና፥ ኣብኣ ኽተርፉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።

9ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”

ትርጓሜ

13:1-6 ኣብቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ እተጠቕሰ ግዜ፡ ንመራሕትን ህዝብን ኣይሁድ፡ ሓጢኣቶም ዚሓጽቡሉ ምንጪ ኺኽፈተሎም እዩ። እኳ ደኣ እቲ ደም ቤዛ ክርስቶስ ምስቲ ጸጋኡ ዚቕድስ ሓቢሩ እዩ። ክሳብ ሕጂ ንዘይእመን ህዝቢ እስራኤል ተዓጽዩ ጸኒሑ እዩ፤ ግናኸ መንፈስ ጸጋ ልቦም ኬሕስርን ኬልስልስን ከሎ፡ ንሳቶም እውን ኪኸፍተሎም እዩ። እዚ እተኸፍተ ምንጪ እዚ፡ እቲ እተወግአ ጐድኒ ክርስቶስ እዩ። ኩላትና ርኹስ ነገር ኢና። እንሆ ኸኣ እንሓጽበሉ ምንጪ ተኸፊቱልና፡ ካብቲ ምንጪ ኸኣ ወሓይዝ ናባና ይውሕዝ ኣሎ። ደም ክርስቶስ፡ ኣብቲ ደም እቲ ኸኣ ምሕረት ኣምላኽ ናይ ይቕረ ምባል፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እተፈልጠ፡ ኩሉ ግዜ ዚውሕዝ፡ ፈጺሙ ኸኣ ኺነጽፍ ዘይከኣል ምንጪ እዩ። ንኹሎም ምእመናን እተኸፍተ እዩ፡ ንሳቶም ከምቲ መንፈሳዊ ዘርኢ ክርስቶስ፡ ካብ ቤት ዳዊት እዮም፡ ከም ህያዋን ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ድማ ነበርቲ የሩሳሌም እዮም ።

ክርስቶስ ብሓይሊ ጸጋኡ፡ ግዝኣት ሓጢኣት የርሕቕ፡ እኳ ደኣ ናይ እተፈቕረ ሓጢኣት። እቶም ኣብቲ እተኸፍተ ምንጪ እተሓጽቡ፡ ከምቲ ዝተሰጋገቱ፡ ከምኡ ድማ ተቐዲሶም እዮም። ነፍሳት ካብ ዓለምን ስጋን፡ እዞም ክልተ ዓበይቲ ጣኦታት፡ ይፍለዩ፡ ንኣምላኽ ጥራይ ኪጣበቑ ድማ ይሕብሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6