1ንስኻ ግና፥ ህይወት ዝርከቦ ቕኑዕ ትምህርቲ መሃር።
2ነቶም ኣረጋውያን፥ ጥንቁቓት፥ ክብሮም ዝሕልዉ፥ ለባማት፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብትዕግስትን ጥዑያት ክኾኑ መዓዶም።
3ነተን ኣረጋውያትውን፥ ከምኡ ብቕድስና ዝነብራ፥ ዘይሓምያ፥ ዘይሰኽራ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንንኡሳት ኣንስቲ ዝምህራ ክኾና መዓደን።
4እተን ንኡሳት ኣንስትውን፥ ንሰብኡተንን ንውሉደንን ከፍቅራ፥
5ርእሰን ዝመልካ፥ ንፁሃት፥ ስድራአን ዝከናኸና፥ ሕያዎት፥ ንሰብኡተን ዝእዘዛ ምእንቲ ክኾና ይምሃራአን። እዙይ ከዓ፥ ቃል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸይፅረፍ እዩ።
6ነጓብዝውን ከምኡ፥ ርእሶም ዝመልኩ ክኾኑ መዓዶም።
7እቶም ዝቃወሙ፥ ብዛዕባና ዝብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኽሓፍሩስ፥ ክትምህር እንተለኻ እሙን ብምዃን፥ ብምስትውዓል፥ ነቐፋ ብዘይብሉ ዘረባ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ እናዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም።
9ነቶም መገልገልቲ ኸዓ፥ ንጐይተቶም ብዅሉ ነገር ክእዘዙ፥ ከሐጕስዎም እምበር ክፉእ ከይምልሱሎም መዓዶም።
10እቲ ትምህርቲ ናይ መድሓኒና እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኵሉ ቕቡል ምእንቲ ክኸውን፥ ብዅሉ እሙናት ክኾኑ እምበር፥ ሰረቕቲ ኸይኾኑ መዓዶም።
11ንዅሉ ሰብ ዘድሕን፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ተገሊፁ እዩ እሞ፥
12እዝ ፀጋ እዙይ፥ ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና፥ ብፅድቅን ብመንፈሳዊ ህይወትን፥ ክንነብር ይምህረና።
13ከምዙይ ኢልና፥ ነቲ ብሩኽ ተስፋና፥ ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለፅ፥ ንፅበ ኣለና።
14ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
15እምበኣር ነዝ ነገር እዙይ መሃር፤ ብምሉእ ስልጣን ከዓ፥ መዓድን ገስፅን፤ ሓደኳ ኣይንዓቕካ።