ናብ ሰብ ሮሜ 16

BCVትግርኛ27 ፍቕድታት4:32 ስማዕ
ስማዕ 4:32 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ነታ ንቤተ ክርስቲያን ክንክርኤስ ኣገልጋሊት ዝኾነት ፌቤን ሓፍትና፥ ናባኻትኩም ኣማሕፅና ኣለኹ።

2ንቕዱሳን ከም ዝግባእ ጌርኩም፥ ብጐይታ ተቐበልዋ፤ ብዘድልያ ዅሉ ኸዓ ደግፍዋ።(ሀ) ንሳ ንኣይን ንብዙሓትን፥ ኣገልጊላ እያ እሞ።

3ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ መሳርሕተይ ዝኾኑ፥ ጵርስቅላን ኣቂላን ሰላም በሉለይ።

4ንሳቶም ምእንታይ፥ ህይወቶም ንምሕላፍ ዝተዳለዉ ነይሮም እዮም እሞ፥ ስለዙይውን አመስግኖም ኣለኹ፤ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኣብያተ ክርስቲያን ኣህዛብ ኵለን እየን ዘመስግናኦም።

5ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም በሉለይ። ነቲ ንክርስቶስ ብምእማን፥ ኣብ እስያ መጀመርታ ዝኾነ ኤጴኔጦስ ፍቑረይ፥ ሰላም በሉለይ።

6ነታ ብዙሕ ዝፀዓረትልኩም ማርያም፥ ሰላም በሉለይ።

7ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ።

8ነቲ ብጐይታ ፍቑረይ ዝኾነ ኣንጵልያጦን፥ ሰላም በሉለይ።

9ነቲ ብክርስቶስ መሳርሕትና ዝኾነ ኡርባኖስን ንስጣክስ ፍቑረይን፥ ሰላም በሉለይ።

10ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ፥ ሰላም በሉለይ።

11ንሄሮድያና ዘመደይ፥ ሰላም በሉለይ። ነቶም ኣብ እንዳ ርቃሱ፥ ብጐይታ ዝኣመኑ፥ ሰላም በሉለይ።

12ነተን ብጐይታ ዝፅዕራ ዘለዋ ንፕሮፊሞን ንጢሮሞሳን፥ ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝፀዓረት ፍቕርቲ ጰርሲዳ፥ ሰላም በሉለይ።

13ነቲ ብጐይታ ዝተሓርየ ሩፎንን ንኖኡን፥ ንኣይውን እነይ፥ ሰላም በሉለይ።

14ንኣስቀሪጦንን ንኣፍለሶንጳ ፍሌጐንን ሄርሜስን ንጰጥሮባንን ሄርማንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን፥ ሰላም በሉለይ።

15ንፍሌጐንን ንዩልያን ንኔርያን ንሓፍቱን ንኣልንጦንን፥ ምስኣቶም ንዘለዉ ዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በሉለይ።

16ንስንሳትኩም ከዓ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ። ኵለን ናይ ክርስቶስ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።

17ኣሕዋተይ፥ ክትፍፅምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ፀገማትን ካብ ዘምፅኡ ሰባት ክትጥንቀቑ፥ ካብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ።

18እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።

19ንወንጌል ተኣዘዝቲ ምዃንኩም፥ ኣብ ኵሉ ስለ ዝተሰምዐ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ። ንሰናይ ነገር ብልህታት፥ ንክፉእ ግና የዋሃት ክትኮኑ እደሊ ኣለኹ።

20ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።

21ጢሞቴዎስ፥ እቲ መሳርሕተይ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣዝማደይ ሉቂዮስ ኢያሶንን ሱሲ ጳጥሮስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።

22ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝፀሓፍኩ፥ ኣነ ጠርጥዮስ፥ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣለኹ።

23እቲ ንኣይ ከም ጋሻ ዝተቐበለ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ኣብ ገዛኡ ኽትእከብ ዝፈቐደ ጋይዮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣርስጦስ፥ እቲ ናይታ ኸተማ ተሓዚ ገንዘብን፥ ቈኣስጥሮስ ሓውናን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።

24ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን! ኣሜን።

25ነቲ፥ ብመሰረት እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዝተገልፀ ምስጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ፥ ኣብ እምነትኩም ከፅንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ይኹኖ።

26ሕዚ ግና፥ እቲ ምስጢር ብመፃሕፍቲ ነቢያት፥ ተግሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ፥ ኵሎም ኣሚኖም ምእንቲ ኽእዘዝዎ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ከም ዝፍለጥ ተገይሩ ኣሎ።

27ነቲ በይኑ በዓል ጥበብ ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።

ትርጓሜ

16:1-16 ጳውሎስ ንፌበ ኣብ ሮሜ ንዘለዉ ክርስትያናት ይውክል (የቕርብ)። ንክርስትያናት ኣብ ጉዳያቶም ንሓድሕዶም ክሕግዙ ይግብኦም እዩ፣ ብፍላይ ከኣ ንጓኖት፤ ባዕልና እውን እንታይ ሓገዝ ከም እንደሊ ስለ ዘይንፈልጥ። ጳውሎስ ነቶም ንብዙሓት ዝሓገዙ ሰባት ሓገዝ ይሓትት። እቲ ዘፍስስ፣ ባዕሉ እውን ክፍሰስ እዩ። ምንም እኳ ነፍስወከፍ መዓልቲ ሓልዮት ኹለን ኣብያተ ክርስትያን ኣብኡ እንተነበረ፣ ይኹንምበር ንብዙሓት ሰባት ክዝክር፣ ከምኡ እውን ነፍስወከፍ ሰብ ሰላምታኡ ብፍሉይ መለለዪኦም ክሰድድ፣ ከምኡ እውን ሓልዮቱ ክገልጽ ይኽእል ነበረ። ሓደ እኳ ጳውሎስ ከም ዝረስዖም ኾይኑ ከይስመዖ፣ ንሱ ናብቶም ስሞም እንተዘይተዘርዘረ እውን ከም ኣሕዋትን ቅዱሳንን ገይሩ ሰላምታኡ ይሰድድ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብስም ኣብያተ ክርስትያን ክርስቶስ ንኹሎም ዝምልከት ሓፈሻዊ ሰላምታ ይውስኽ።

16:17-20 እዞም ምትብባዓት እዚኦም ክንደይ ጽንዓት ዘለዎም፣ ክንደይ ከኣ ልቡናውያን እዮም! ካብቲ ቅኑዕ ትምህርቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝፍለ ዘበለ፣ ንምፍልላይን መናኸሲን ደገ ይኸፍተሉ። ሓቂ እንተ ተደርበየት፣ ሓድነትን ሰላምን ንነዊሕ ግዜ ኣይቅጽሉን። ብዙሓት ንክርስቶስ መምህርን ጐይታን ይብልዎ፣ ንዕኡ ካብ ምግልጋል ግና ዝረሓቑ እዮም። ንሳቶም ግና ነቲ ስጋዊ፣ ስምዒታውን ዓለማውን ረብሓታቶም የገልግሉ። ንልቢ ብምጥባር ንርእሲ የበላሽዉ፤ ንርእሶም ናብ ስምዒታት ብምእታው ከኣ ፍርድታት የጥምቱ። ንልብና ብኹሉ ትግሃት ክንሕልዎ ኣዚዩ የድልየና። ልቢ ብምእማን ዝለዘበ ሰባት ምጥቃዕ፣ ልሙድ ኣገባብ መናጥጣኒ እዩ። ሕድግ ዝብል ባህርይ፣ ብጽቡቕ ምሪሕነት ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ ጽቡቕ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ብቐሊሉ ናብ ስሕተት ክምራሕ ይኽእል። ከይትጥበሩስ ክሳብ ክንድዚ ልባማት ኩኑ፣ ግና ከኣ መናጥጣኒ ከይትኾኑስ ክሳብ ክንድዚ ቅኑዓት ኩኑ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6