ራእይ ዮሃንስ 3

BCVትግርኛ22 ፍቕድታት4:42 ስማዕ
ስማዕ 4:42 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰርዴስውን ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን፥ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለዎ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። “ህያው” ተብሂልካ ኢኻ እትፅዋዕ፤ ግና ምዉት ኢኻ።

2ንግብርኻ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ፥ ፍፁም ኮይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፥ ንቑሕ ኹን፤ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ፥ ንሞት ዝቐረቡውን ኣበርትዓዮም።(ሀ)

3ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ።

4ኣብ ሰርዴስ ግና፥ ክዳውንቶም ዘየርስሑ፥(ለ) ውሑዳት ሰባት ኣለዉ። ንሳቶም ዝተገብኦም እዮም እሞ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ምሳይ ክኸዱ እዮም።

5እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’

6“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።”

7“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ፊላደልፍያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቕዱስ፥ ሓቀኛ፥ መፍትሕ ዳዊት ዘለዎ፥ ንሱ ምስ ከፈተ፥ ሓደኳ ኽዓፁ ዘይኽእል፥ ንሱ ምስ ዓፀወ ኸዓ፥ ሓደኳ ክኸፍት ዘይኽእል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

8ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ዓቕምኻ ድኹም እዩ፤ እንተ ኾነ ንቓለይ ሓለኻዮ፥ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን። ስለዙይ ሓደኳ ኽዓፅዎ ዘይኽእል፥ ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ።

9እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።

10ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።

11ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ።

12ነቲ ዝስዕር፥ ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ፥ ዓምዲ ኽገብሮ እየ፤ ካብኣውን ከቶ ኣይወፅእን እዩ። ስም ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኻብ ኣምላኸይ፥ ካብ ሰማይ እትወርድ፥ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ነቲ ሓድሽ ስመይውን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽፅሕፍ እየ።’

13“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።”

14“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

15“ ‘ዝሑል ወይ ምዉቕ ዘይምዃንካ፥ ግብርኻ እፈልጦ እየ፤ ኣበይሞ ዝሑል ወይ ምዉቕ ከም ኮንካ!

16ልህብ ዝበለ ስለ ዝኾንካ፥ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻሞ፥ ካብ ኣፈይ ክተፍአካ እየ።

17“ሃብታም እየሞ የመናውን መሊኡለይ ኣሎ፤ ሓደኳ ዘድልየኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ፥ ሕሱርን፥ ዘደንግፅን፥ ድኻን፥ ዕዉርን፥ ዕሩቕን፥ ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኢኻ።

18ምእንቲ ኽትህብትም፥ ብሓዊ ዝፀረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፥ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቕላዕን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ኽትክደንን፥ ምእንቲ ኽትርኢ፥ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን፥ ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ፥ እመኽረካ ኣለኹ።

19ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።

20እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ፥ እዅሕዅሕ ኣለኹ። ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ፥ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ፥ ናብኡ ኽኣቱ፥ ምስኡውን ክበልዕ እየ፤ ንሱውን ምሳይ ክበልዕ እዩ።

21ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’

22“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።”

ትርጓሜ

3:1-6። ጐይታና የሱስ፡ መንፈስ ቅዱስ ብዅሉ ሓይሉ፡ ጸጋታቱን ግብሩን ዘለዎ ንሱ እዩ። ግብዝናን ኣብ ሃይማኖት ዘሕዝን ምሽርሻርን፡ ነታ ማሕበር እቶም ኵሉ ግብራታታ ዝፈልጥ ዝነበረ ንሱ ዝወቐሳ ሓጥያታት እዮም። ንደቂ ሰብ ብግዳም ጽቡቕ ኮይኑ ይርአ እኳ እንተነበረ፡ ናይ ኣምልኾ መልክዕ ጥራይ እምበር፡ ሓይሊ ኣይነበሮን። ናይ ምንባር ስም እምበር፡ መሰረት ናይ ህይወት ኣይነበሮን።

ኣብ ነፍሳት ኩሎምን ኣብ ኣገልግሎታቶምን ዓቢ ሞት ነበረ። ብዙሓት ብምሉኦም ግቡዛት ነበሩ፡ እቶም ካልኦት ድማ ኣብ ዘይስሩዕን ዘይህይዋንን ሃለዋት ነበሩ። ጐይታና ጽንጽሖም፡ ንጸላእቶም ኪጥንቀቑ፡ ኣብ ግቡኣቶም ድማ ተናዳድን ቅንዕናን ኪዀኑ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተመርኲሶም፡ እቶም ገና ንኣምላኽ ህያዋን ዘለዉ፡ እኳ እንተወደቑ፡ እምነቶምን መንፈሳዊ ፍቕሮምን ከምልሉን ከጠንክሩን ኣዘዘ። ሓለውትና ምስ ገደፍና፡ መንፈሳዊ ቦታና ንስእን። ግብራትኩም ሃሳስን በዶን እዩ። ጸሎታትኩም ብቕዱሳት ትምኒታት ኣይተመልአን፡ ምጽዋትኩም ብሓቀኛ ፍቕሪ ኣይተመልአን፡ ሰንበትኩም ንኣምላኽ ብዝግባእ ምቅዳስ ነፍሲ ኣይተመልአን።

ምስ ግዳማዊ ተግባራትን ኣገላልጻታትን ዝሰማማዕ ውሽጣዊ ስምዒታት የብሎምን። መንፈስ ምስ ዘይብሉ፡ መልክዕ ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ኣይክእልን። ኣብ ገዛእ ነፍሳትና ወይ ኣብ ነፍሳት ካልኦት ምምላስ ክንደሊ ከለና፡ ንዝነበረና ሒዝና ንኽንጸንዕ፡ ትሕትናን ንቕሓትን ንኽህልወና፡ እቲ እንዛረቦ ምስቲ ኣመዓይይስና ምምስሳል ኣድላይ እዩ። ክርስቶስ ነዚ ምኽሩ እዚ እንተተናዕበ፡ ብዘስካሕክሕ ስግኣት የጽንዖ።

እንተኾነ ግን፡ ጐይታና ብሩኽ፡ ነዚ ሓጥእ ህዝቢ እዚ፡ ብዘይ ገለ ምትብባዕ ኣይሓደጎን። ንእሙናት ቅሪት ሰርዴስ ብኽብሪ ይጥቅስ፡ ምሕረታዊ ተስፋውን ይህቦም። እቲ ዝሰዓረ፡ ጻዕዳ ክዳን ኪኽደን እዩ። ንጽሕና ጸጋ፡ ብፍጹም ንጽሕና ግርማ ኪኽፈል እዩ። ክርስቶስ ናይ ህይወት መጽሓፉ ኣለዎ፡ ንዘለዓለማዊ ህይወት ዝወርሱ ዅሎም መዝገብ እዩ። ናይ ኲሎም እቶም ንኣምላኽ ዝነብሩ፡ ኣብ ክፉእ ግዜያት ድማ ህይወትን ሓይልን ኣምልኾ ዝሕልዉ፡ መጽሓፍ መዘክር እዩ። ክርስቶስ ነዚ መጽሓፍ ህይወት እዚ ኬምጽኦ፡ ኣብቲ ዓብዪ መዓልቲ ድማ ንኣምላኽን ንዅሎም መላእኽትን፡ ስም እሙናት ኬርኢ እዩ።

3:7-13 እቲ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ መፍትሕ ናይ ምግዛእን ስልጣንን ኣብ ውሽጢ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ማሕበር ክርስትያን ኣለዎ። ንማሕበራቱ ማዕጾ ናይ ዕድል ይኸፍት፤ ንኣገልገልቱ ማዕጾ ናይ ምዝራብ ይኸፍት፤ ማዕጾ ናይ ምእታው ይኸፍት፣ ልቢ ድማ ይኸፍት። ንመዓልቲ ጸጋኦም ብድቃስ ንዘሕልፉ ዓያሱ ከምኡ'ውን ንሰርሕቲ ዓመጻ፣ ከመይ ዝበለ ባዶን ገዛእ ርእሶም ዝተኣማመኑን ይኹኑ፣ ማዕጾ ሰማይ ይዓጽዎም። እቲ ኣብ ፊላድልፍያ ዘሎ ማሕበር ክርስትያን ይወሓስ፤ ገና ግን ብህዱእ ምዕያይ። ክርስቶስ ንሽዑር ሓይሊ እንተተቐበለ'ኳ፣ ተኣመንቲ ግን ብሽዑር ኪዕገቡ ኣይብሎምን፣ የግዳስ ብጸጋ ንምዕባይ፣ ብእምነት ንምብቃዕ፣ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃቡ ኪጋደሉ ኣለዎም። ክርስቶስ ነዚ ሞገሱ ንህዝቡ ኺገልጽ ይኽእል፣ ስለዚ ጸላእቶም ንኺእመኑሉ ኺግደዱ እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG “በሰርዴስም ወዳለው ወደ ቤተ ክርስቲያን መልአክ እንዲህ ብለህ ጻፍ፦ ሰባቱ የእግዚአብሔር መናፍስትና ሰባቱ ከዋክብት ያሉት እንዲህ ይላል፦ ሥራህን አውቃለሁ ሕያው እንደ መሆንህ ስም አለህ … አማርኛ ENGNIV “To the angel of the church in Sardis write: These are the words of him who holds the seven spirits of God and the seve… English GAZBIB ?Gara ergamaa waldaa Saardesitti, ?Ergaan kun isa hafuurota Waaqayyoof hojjetan torba, urjoota torbas qabu biraa dhufe?… Afaan Oromoo BCV GIZ “ወጸሐፍ ሎቱ ለመልአከ ቤተ ክርስቲያን ዘሰርዴስ፦ ከመዝ ይቤ ዘቦ ሰብዐቱ መንፈስ ዘእምኀበ እግዚአብሔር ወሰብዐቱ ኮከብ፦ አአምር ግብረከ ከመ ስምከ ሕያው ወምውት አንተ። giz GAZGAZ ?Gara ergamaa waldaa Saardesitti, ?Ergaan kun isa hafuurota Waaqayyoof hojjetan torba, urjoota torbas qabu biraa dhufe?… Afaan Oromoo BCV aksum “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰርዴስውን ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን፥ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለዎ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። “ህያው” ተ… ትግርኛ AMHNIV “በሰርዴስ ላለው ቤተ ክርስቲያን መልአክ እንዲህ ብለህ ጻፍ፤ ሰባቱን የእግዚአብሔር መናፍስትና ሰባቱን ከዋክብት በእጁ የያዘው እንዲህ ይላል፤ ሥራህን ዐውቃለሁ፤ በስም ሕያው ነህ፤ ነገር ግ… አማርኛ SWAHSUV Na kwa malaika wa kanisa lililoko Sardi andika; Haya ndiyo anenayo yeye aliye na hizo Roho saba za Mungu, na zile nyota… Kiswahili