ራእይ ዮሃንስ 2

BCV aksumትግርኛ28 ፍቕድታት5:41 ስማዕ
ስማዕ 5:41 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፥ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ ይብል፦

2ግብርኻን ፃዕርኻን ትዕግስትኻን፥ ነቶም ክፉኣት ሰባትውን፥ ክትፆሮም ዘይምኽኣልካን፥ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ግና ዘይኮኑ፥ ተዓዚብካዮምስ ሓሰውቲ ኾይኖም ከም ዝረኸብካዮምውን፥ እፈልጥ እየ።

3ትዕግስቲ ኸም ዘለካ፥ ስለ ስመይ ኢልካውን፥ መከራ ኸም ዝተፃወርካን፥ ከም ዘይሰልከኻን፥ እፈልጥ እየ።

4ግና ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ስለ ዝሓደግካያ፥ ዝነቕፈካ ኣለኒ።

5እምበኣርከስ ካበይ(ሀ) ከም ዝወደቕካ ዘክር፤ ተነሳህ፤ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻውን ግበር። እንተ ዘይተነሲህኻ ግና፥ መፂአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልካ፥ ካብቲ ስፍራኡ ኸወግዶ እየ።

6ግና ነቲ ኣነ ዝፀልኦ ግብሪ ኒቆላውያን፥ ንስኻውን ትፀልኦ ኢኻ እሞ፥ እዙይ ግዳ ፅቡቕ ኣለካ።

7“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’

8“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰምርኔስውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

9መከራኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፤ ግና ሃብታም ኢኻ። ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ፥ ግና ማሕበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ፥ ፀርፊ ኸም ዝተቐበልካውን እፈልጥ እየ።

10ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።

11“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።’

12“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ጴርጋሞንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሓዘ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

13ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።(ለ)

14እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።

15ከምኡውን፥ ንትምህርቲ ኒቆላውያን ዝስዕቡ ሰባት ኣለዉኻ።

16ስለዙይ ተነሳህ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ቀልጢፈ መፂአ፥ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም(ሐ) እየ።

17“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን(መ) ክህቦ እየ።’

18“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ትያጥሮንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

19ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ትዕግስትኻን፥ ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ግብርኻ ኸም ዝበዝሕ፥ እፈልጥ እየ።

20ግና ነታ “ነቢይት እየ” እናበለት፥ ነቶም ኣገልገልተይ ክምንዝሩን፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ኽበልዑ እትምህሮምን፥ እተስሕቶምን ዘላ፥ ኤልዛቤል እትብሃል ሰበይቲ፥ ስቕ ኢልካ ብምርኣይካ፥ እነቕፈካ ኣለኹ።

21ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፥ ጊዜ ሂበያ ነይረ፤ ንሳ ግና፥ ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን።

22ስለዙይ ኣነ ኣብ ዓራት መከራ፥ ክድርብያ እየ። ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ኸዓ፥ ካብቲ ተግባራቶም እንተ ዘይተነሲሖም፥ ናብ ብርቱዕ መከራ ኸእትዎም እየ።

23ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።

24“ ‘ንኣኻትኩም ኣቱም ኣብ ትያጥሮን ዘለኹም ካልኦት ግና፥ ኵልኻትኩም ነዝ ትምህርቲ እዙይ ዘይትኽተሉ፥ ነቲ ንሳቶም “ዓሚቝ ምስጢር ሰይጣን” ዝብልዎ ዘይተምሃርኩም፥ ካልእ ፆር ኣየኽብደልኩምን እየ እብለኩም ኣለኹ።

25ግዳ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ነቲ ዘለኩም ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።

26ነቲ ዝስዕርን፥ ነቲ ኽሳዕ መወዳእታ ትእዛዘይ ዝሕሉን፥ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ፥ ስልጣን ክህቦ እየ፤ ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ፤ ከም ኣቕሓ መሬት ከዓ፥ ክሰባብሮም እዩ።

28ኮኸብ ፅባሕውን ክህቦ እየ።

29“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።’

ትርጓሜ

2:1-7 እዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ብንጽህና ትምህርትን ብሓይሊ ኣምልኾን እተፈላለየ ኩነታት ነይርወን እሞ፡ እቲ ክርስቶስ ንኣታተን ዝበለን ቃላት ንኻልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ንዝእመኑን ሰባት ኩሉ ሳዕ ዝሰማማዕ እዩ። ክርስቶስ ኩነታተን ይፈልጥን ይርእን እዩ። ንሱ ኣብ ሰማይ ክነሱ፡ ኣብ ማእከል ኣብያተ ክርስቲያናቱ ኣብ ምድሪ ይመላለስ፡ እሞ ኣብአን ዘሎ ጌጋን ዘድልየንን ይዕዘብ። ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን ብትግሃታን ብትጉህ ስርሓን ተመስኪራላ። ክርስቶስ ንኣገልገልቱ ዚገብርዎ ኩሉ ናይ ሰዓት ስራሕ ይቍጽሮ እዩ፡ ጻዕሮም ከኣ ብጐይታ ከንቱ ኣይከውንን እዩ። ግናኸ ትጉሃት ምዃንና በይኑ ኣይኣክልን፡ ምጽዋር ትዕግስትን ምጽባይ ትዕግስትን ክህልወና ኣለዎ። ንኹሎም ሰባት ምሉእ ትሕትና ክንገብር ከም ዝግብኣና እኳ እንተኾነ፡ ግናኸ ንሓጢኣታቶም ቅኑዕ ቅንኣት ከነርኢ ኣለና። ክርስቶስ ንዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ዝወቀሰላ ሓጢኣት፡ ንፍቕሪ ወጊዓ ምሕዳጋ ዘይኮነስ፡ ቀድም ክትገብርዎ ዝነበረት ትኩስ ፍቕሪ ምጕዳላ እዩ። ክርስቶስ ናብኡ ገጾም ሃጓፋትን ዝሑላትን ክኾኑ ምስ ርእዮም ብህዝቡ ይጕሂ። ክርስቲያናት ንቀዳመይቲ ፍቕሮም ከም ዝሓደጉ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ብርግጽ፡ ብዘይግድስነት ብእኡ ዚዛረቡ፡ በዚ ኸኣ ናቶምን ናይ ካልኦትን ብዘይግድስነት ምሽምቃቕን ሃጓፍነትን ከዐግስዎ ዚፍቱን ይነቅፍ፡ መድሓኒና ኸኣ ነዚ ምሽምቃቕ እዚ ሓጢኣታዊ ገይሩ ይርእዮ። ክንስሑ ኣለዎም። ብሓጢኣታዊ ምውራዶም ኪጕህን ኪሓፍሩን ኣለዎም፡ ብትሕትና ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪእምኑዎ ይግባእ። ንቀዳመይቲ ቅንኣቶም፡ ልስሉስነትኦምን ጽንዓቶምን ንምምላስ ኪጽዕሩ ኣለዎም። ከምቲ ፈለማ ኣብ መገዲ ኣምላኽ ምስ ወጹ፡ ብትጋህ ኪጽልዩን ብትጋህ ኪሕልዉን ኣለዎም። ናይ ክርስቶስ ጸጋን መንፈስን እንተ ተዘንጊዑ፡ መቕጻዕቱን መገሰጻኡን ክርእየና ንጽበ። ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሰናይ ነገር ኣተባባዒ ኾይኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ንሓቅን ጌጋን፡ ንጽቡቕን ሕማቕን ዘሎ ምሽምቃቕ፡ ፍቕርን ትሕትናን ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል እዩ፡ ግናኸ ከምኡ ኣይኮነን፡ ንክርስቶስ ከኣ ኣየሐጕሶን። ናይ ክርስቲያን ህይወት ንሓጢኣት፡ ንሰይጣን፡ ንዓለምን ንስጋን ዚዋጋእ ውግእ እዩ። ንመንፈሳውያን ጸላእትና ኣይንገዛእን፡ ሽዑ ኸኣ ብኽብሪ ንሰዓርን ዓስቢ ንረክብን። ኵሎም ዚጸንዑ፡ ካብ ክርስቶስ፡ ካብቲ ኦም ህይወት ከም ዝኾነ፡ ፍጹምነትን ጽንዓትን ብቕድስናን ብሓጎስን ተባዕተወ ይረኽቡ፡ ኣብ ምድራዊ ገነት ዘይኮነስ፡ ኣብ ሰማያዊ። እዚ ካብ ገነት ኤድን እተወስደ ምሳልያዊ ኣገላልጻ ኮይኑ፡ ናይ ሰማይ ንጹህን ምልእ ዝበለን ዘለኣለማዊ ሓጐስ የመልክት፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ብእምነት፡ ብምሕባር ምስ ክርስቶስን ብምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስን ንርኣዮም ዘሎና። ኣቱም ምእመናን፡ ንትቓልስዋ ህይወትኩም ኣብዚ ተቐበሉ፡ ድሕሪኡ ድማ ህዱእ ህይወት ተጸበዩን ድለዩን፡ ግናኸ ክሳዕ ሽዑ ኣይትጽበዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብዚ ህዱእነትን ካብ ግጭት ምሉእ ናጽነትን ኣይውሕስን።

2:8-11 ጐይታና የሱስ ቀዳማይ እዩ፣ ከመይሲ ብእኡ ዅሉ ተገይሩ እዩ፤ ንሱ ቕድሚ ዅሉ ነበረ፣ ምስ ኣምላኽ ነበረ፣ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ድማ ዳሕረዋይ እዩ፣ ከመይሲ ንሱ ንዅሉ ኺፈርድ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG “በኤፌሶን ወዳለው ወደ ቤተ ክርስቲያን መልአክ እንዲህ ብለህ ጻፍ፦ በቀኝ እጁ ሰባቱን ከዋክብት የያዘው በሰባቱም የወርቅ መቅረዞች መካከል የሚሄደው እንዲህ ይላል፦ አማርኛ ENGNIV “To the angel of the church in Ephesus write: These are the words of him who holds the seven stars in his right hand an… English BCV “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፥ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ … ትግርኛ GAZBIB ?Gara ergamaa waldaa Efesoonitti, ?Ergaan kun kan isa harka isaa mirgaatiin urjoota torban qabee, baattuu ibsaa torban … Afaan Oromoo BCV GIZ “ወጸሐፍ ሎቱ ለመልአከ ቤተ ክርስቲያን ዘኤፌሶን፣ ከመዝ ይቤለከ አኃዜ ኵሉ ዘያጸንዕ ሰብዐተ ከዋክብተ በየማኑ ወዘየሐውር በማእከለ ሰብዑ መኃትው ዘወርቅ። giz GAZGAZ ?Gara ergamaa waldaa Efesoonitti, ?Ergaan kun kan isa harka isaa mirgaatiin urjoota torban qabee, baattuu ibsaa torban … Afaan Oromoo AMHNIV “በኤፌሶን ላለው ቤተ ክርስቲያን መልአክ እንዲህ ብለህ ጻፍ፤ ሰባቱን ከዋክብት በቀኝ እጁ የያዘው፣ በሰባቱም የወርቅ መቅረዞች መካከል የሚመላለሰው እንዲህ ይላል፤ አማርኛ SWAHSUV Kwa malaika wa kanisa lililoko Efeso andika; Haya ndiyo anenayo yeye azishikaye hizo nyota saba katika mkono wake wa ku… Kiswahili