1ድሕሪዙይ ዘንጊ ዝመስል መዐቀኒ ተውሃበኒ እሞ “ተስእ፤ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ መሰውእን ዓቅኖ፤ ነቶም ኣብኡ ዝሰግዱ ዘለዉውን ቍፀሮም።(ሀ)
2እቲ ብወፃኢ መቕደስ ዘሎ ቕፅሪ ግና፥ ንኣህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ ሕደጎ ኣይትዓቅኖ፤ ኣህዛብ ከዓ፥ ነታ ቕድስቲ ኸተማ፥ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግፅዋ እዮም።
3ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።
4እዚኣቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዝቖሙ፥ ክልተ ኣዋሊዕን ክልተ ቐናዲልን(ለ) እዮም።
5ሓደኳ ኽጐድኦም እንተ ደለየ፥ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወፅእ እሞ፥ ንፀላእቶም የቃፅሎም። እቲ ኽጐድኦም ዝደሊ፥ ብኸምዙይ ክቕተል እዩ።
6እዚኣቶም፥ በተን ዝንበዩለን መዓልቲታት፥ ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም፥ ንሰማይ ክዓፅውዎ ስልጣን ኣለዎም። ንማያት ናብ ደም ክልውጥዎ፥ ንምድሪ ኸዓ፥ ብዝደለይዎ ዓይነት ክቐስፍዋ፥ ስልጣን ኣለዎም።
7ምስክርነቶም ምስ ፈፀሙ ድማ፥ እቲ ኻብ መዓሙቕ ዝወፅእ ኣራዊት፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።
8ንሬሳኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም ዝተሰቕለላ ዓባይ ከተማ፥ ከንብሮ እዩ። ንሳ ብመንፈሳዊ ምሳሌ፥ ሰዶም ወይ ግብፂ እትብሃል እያ።
9ካብ ዝተፈላለዩ ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ዝተኣከቡ ሰባት፥ ነቲ ሬሳኣቶም፥ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ክሪእዎ እዮም። ሬሳኣቶም ከይቕበርውን፥ ክኽልክሉ እዮም።
10እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ በዞም ክልተ ነቢያት እዚኣቶም፥ ይሳቐዩ ስለ ዝነበሩ፥ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ብሞት እዞም ክልተ ነቢያት ኽሕጐሱ፥ ባህውን ክብሎም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ፥ ውህብቶ ኽወሃሃቡ እዮም።
11ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ፥ ናይ ህይወት እስትንፋስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብኣቶም ኣተወ። በእጋሮምውን ቆሙ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝረአይዎም ከዓ፥ ብርቱዕ ፍርሓት ሓደረ።
12ሓደ ዓብዪ ድምፂ ድማ፥ ካብ ሰማይ፥ “ናብዙይ ደይቡ” ኽብሎም እንተሎ ሰምዑ። እቶም ፀላእቶም እናረአይዎም ከዓ፥ ብደመና ናብ ሰማይ ዓረጉ።
13በታ ሰዓት እቲኣ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ፥ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ።
14እቲ ኻልኣይ መከራ ሓሊፉ፤ እንሆ እቲ፥ ሳልሳይ መከራ፥ ቀልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
15እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።
16እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙፋናቶም ተቐሚጦም ዝነበሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ከዓ፥ ከምዙይ እናበሉ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ፦
17“ኦ፥ ዘለኻን ዝነበርካን፥ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ፥ ስለ ዝወሰድካዮን፥ ስለ ዝነገስካን፥ ነመስግነካ ኣለና።
18ኣህዛብ ተቘጥዑ፥ ቍጥዓኻውን መፀ፤ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፥ ነቶም ባሮትካ ዝኾኑ ነቢያትን፥ ነቶም ንስምካ ዘኽብሩ ቕዱሳንን፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ዓስቦም እትህበሉ፥ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን፥ እተጥፍአሉ ዘመን በፂሑ እዩ” በሉ።
19እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።