1እግዚኣብሄር ነጊሱ እዩ፤ ምድሪ ትተሓጐስ፤ ብዙሓት ደሴታት ደስ ይበሎም።
2ደመናን ጣቓን ኣብ ዙርያኡ እዮም፤ ፅድቅን ፍትሕን ናይ ዙፋኑ መሰረት እዮም።
3ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፤ ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ፀላእቱ የንድዶም።
4መባርቕቱ ንዓለም ኣብርሁ፤ ምድሪ ሪኣ ተንቀጥቀጠት።
5እምባታት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዅሉ ምድሪ እውን ከም ሽምዒ መኸኹ።
6ሰማያት፥ ናቱ ፅድቂ ኣውረዩ፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኽብሩ ረአዩ።
7ኵሎም ንዝተቐረፀ ምስልታት ዝሰግዱን፥ ብጣዖታቶም ዝምክሑን ይሕፈሩ፤ ኵልኹም መላእኽቱ ስገዱሉ።
8ኦ ጐይታ፥ ስለ ፍርድኻ ፅዮን ሰሚዓ ተሓጐሰት፤ ኣጓላት ይሁዳውን ደስ በለን።
9ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻሞ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲውን የመና ልዕል ልዕል በልካ።
10ንእግዚኣብሄር እትፈትዉ ንኽፍኣት ፅልኡ፤ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ፃድቃኑ ይሕሉ እዩ፤ ካብ ኢድ ሓጥኣንውን የድሕኖም።
11ብርሃን ንፃድቃን፥ ደስታ ኸዓ ንቕኑዓት ልቢ ወፀ።
12ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ተሓጐሱ፤ ንቕድስናኡ መዘከርታውን ኣመስግኑ።