1ንዑ፥ ብእግዚኣብሄር ደስ ይበለና፤ ንኣምላኽናን፥ ንመድሓኒናን ዕልል ንበል።
2ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብፃሕ፤ ብመዝሙር ንእኡ ዕልል ንበል።
3እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ እዩ እሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
4እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይድርብዮምን፤ ወሰናት ምድሪ ኸዓ ኣብ ውሽጢ ኢዱ እዮም፤ ነዋሕቲ እምባታትውን ናቱ እዮም።
5ባሕሪ ናቱ እያ፤ ንሱውን ፈጠራ፤ ንንቑፅ ምድሪ እውን ኣእዳዉ ሰርሖ።
6ንዑ፥ ንስገድ፤ ንእኡውን ንገዛእ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈጣሪና ንምበርከኽ።
7ንሱ ኣምላኽና እዩ እሞ፤ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሰኡ፥ ናይ ኣእዳዉ ኣባጊዕ ኢናሞ።
8ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን፥ ዘቘጥዕዎን፥ ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
9ዝተፈታተኑኒ ኣቦታትኩም፥ ፈተኑኒ፤ ስራሐይውን ረአዩ።
10ነታ ትውልዲ እቲኣ ኣርብዓ ዓመት ተቘጢዐያ ነይረ፤ “ኵልሻዕ ልባቶም ይስሕት፤ ንሳቶም መንገደይ ኣይፈለጡን” በልኩ።
11ስለዙይ “ናብ ዕረፍተይ ከይኣትዉ፥ ብቝጥዓይ መሓልኩ።”