1ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።
2ንእግዚኣብሄር “መዕቘብየይን ዕርደይን ዝተኣማመነካ ኣምላኸይን” ኢኻ እብሎ።
3ንሱ ኻብ መፃወድያ ሃዳናይ፥ ካብ ዘደንግፅ ነገርውን የድሕነካ፤
4ብግልግለኡ ኽኽውለካ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉውን ክትተኣማመን ኢኻ፤ ሓቂ ኸም ዋልታ ክኸበካ እዩ።
5ካብ ግርማ ለይቲ፥ ብመዓልቲ ኻብ ዝውርወር ፍላፃ፥
6ብፀልማት ካብ ዝኸይድ ክፉእ ነገር፥ ካብ ሓደጋን ካብ ጋኔን ቀትርን ኣይትፈርሕን።
7ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፥ ኣብ የማንካውን ዓሰርተ ሽሕ ክወድቁ እዮም፤ ናባኻ ግና ኣይቐርብን እዩ።
8በዒንትኻ ጥራሕ ክትርኢ ኢኻ፤ ፍዳ ሓጢኣትውን ክትርኢ ኢኻ።
9ኦ ጐይታ፥ ተስፋይ ንስኻ ኢኻ፤ ንልዑልውን መፀግዒኻ ገበርካዮ፤
10ክፉእ ነገር ናባኻ ኣይቐርብን፤ መቕሰፍቲ እውን ናብ ገዛኻ ኣይኣቱን።
11ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልዉኻ፥ እግዚኣብሄር ንመላእኽቱ ምእንታኻ ኽእዝዞም እዩ እሞ።
12ንሳቶም ከዓ እግርኻ ብእምኒ ኸይዕንቀፍ በእዳዎም ከልዕሉኻ እዮም።
13ኣብ ልዕሊ ተዅላን ተመንን ክትከይድ ኢኻ፤ ሽደን ኣንበሳን ገበልንውን ክትረግፅ ኢኻ።
14በኣይ ተኣማሚኑ እዩሞ ኸናግፎ እየ፤ ስመይ ፈሊጡ እዩ እሞ ኽኽውሎ እየ።
15ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
16ነዊሕ ዕድመ ኸፅግቦ እየ፤ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።