1ኦ ጐይታ፥ ንዅሉ ውሉድ ወለዶ መፀግዒ ኾንካና።
2እምባታት እንተይተወለዱ፥ ምድርን ዓለምንውን እንተይተፈጠሩ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኢኻ።
3ንሰብ ናብ ሓሳር ኣይትመልሶን፤ “ኣቱም ደቂ ሰብ ተመለሱ” ትብል ኣለኻ።
4ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ፥ ከም እዛ ትማሊ ዝሓለፈት መዓልትን፥ ከም ምንቃሕ ለይትን እየን።
5ዓመታት ኣብ ቅድሜኻ ዝተንዓቑ እዮም፤ ብንግሆ ኸም ሳዕሪ ይሓልፍ።
6ብንጉሆ ይበቍል፥ ይሓልፍውን፤ ኣጋ ምሸት ግና ፀምልዩ ነቒፁ ይወድቕ።
7ንሕና ብቝጥዓኻ ሃሊቕና ኢናሞ፥ ብመቕሰፍትኻውን ደንጊፅና ኢናሞ።
8ንሓጢኣትና ኣብ ቅድሜኻ ኣንበርካ፤ ሕቡእ በደልናውን ኣብ ቅድሚ ብርሃን ገፅካ እዩ።
9ኵሉ ዘመንና ሓሊፉ እዩሞ፥(ሀ) ንሕናውን ብመቕሰፍትካ ሃሊቕና ኢና።
10መዋእል ዕድሜና ሰብዓ ዓመት፥ እንተ በዝሐ ኸዓ ሰማንያ ዓመት እዩ፤ ካብኡ እንተ በዝሐ ግና ድኻምን መከራን እዩ፤ ካባና ቐልጢፉ ይሓልፍ፤ ንሕናውን ንግሰፅ ኢናሞ።
11ፅንዓት ቍጥዓኻ መን ይፈልጥ? ካብ ግርማ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ሃለቑ።
12ጥበብ ብልቢ ምእንቲ ኽንመሃር፥ የማንካ ኸምዙይ ኣፍልጠና።
13ኦ ጐይታ፥ ተመለስ፤ ክሳዕ መኣዝ እዩ? ስለ ባሮትካውን ተማጐት።
14ብምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ኽንሕጐስ፥ ደስውን ምእንቲ ኽብለናስ፥ ብንግሆ ምሕረትካ ኣፅግበና።
15ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልቲታትን፥ ክፉእ ዝረአናለን ዓመታትን ኣሐጕሰና።
16ኦ ጐይታ፥ ናብ ስራሕኻን ናብ ኣገልገልትኻን ረአ፤ ንደቆምውን ምርሓዮም።
17ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ብርሃን ኣብ ልዕሌና ይኹን፤ ተግባር ኣእዳውናውን ኣቕንዐልና።