1ኦ ኣምላኽ፥ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣተዉ፤ ንቕድስቲ መቕደስካውን ኣርከስዋ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ(ሀ) ገበርዋ።
2ንሬሳ ባሮትካ ነዕዋፍ ሰማይ፥ ንስጋ ፃድቃንካ ድማ ንኣራዊት በረኻ ምግቢ ገበሩ።
3ደሞም ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ከም ማይ ኣፍሰስዎ፤ ዝቐብሮምውን ሰኣኑ።
4ንጐረባብትና ነውሪ፥ ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸዓ፥ መስሓቒኦምን መላገፂኦምን ኮንና።
5ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትቝጣዕ? ቅንኣትካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?
6ንቝጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ መንግስታት ኣፍስሶ።
7ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ነታ መሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ።
8እቲ ዝቐደመ በደልና ኣይትዘክረልና፤ ምሕረትካ ቐልጢፋ ትርከበና፤ የመና ተሸጊርና ኢናሞ።
9ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን፥ ርድአና፤ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ኢልካ፥ ኦ ጐይታ ኣናግፈና፤ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።
10ኣህዛብ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ?” ምእንቲ ኸይብሉና፥ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍለጡ።
11ገዓር እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻ ኣድሕኖም።
12ኦ ጐይታ፥ ነቶም ምብጫው ዘባጨዉልካ ጐረባብትና፥ ሸውዓተ ኢድ ጌርካ ኣብ ሕቝፎም ፍደዮም።
13ሽዑ ንሕና ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሰኻን ዝኾንና፥ ንዘለኣለም ክነመስግነካ ኢና፤ ንውሉድ ወለዶውን ምስጋናኻ ኽንነግር ኢና።