1ቃለይ ኣልዒለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ቃለይ ናብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሱውን ሰምዐኒ።
2ብመዓልቲ መከራይ ንእግዚኣብሄር ደለኽዎ፤ ኣእዳወይ ብለይቲ ኣብ ቅድሚኡ እየን፤ ኣይዓረፍኩንውን፤ ነፍሰይውን ክትፀናናዕ ኣይከኣለትን።
3ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ደስውን በለኒ፤ ተናገርኩ፤ ነፍሰይ ድማ ፈዘዘት።
4ንኽተግሁ ነዒንተይ ሓዝካዮም፤ ደንገፅኩ፤ ኣይተናገርኩንውን።
5ነቲ ናይ ቀደም ዘመን ዘከርኩ፤ ናይ ዘለኣለም ዓመታትውን ሓሰብኩ፤ ኣስተንተንኩውን።
6ብለይቲ ምስ ልበይ ተፃወትኩ፤ ንነፍሰይውን ኣንቃሕኽዋ።
7እግዚኣብሄርዶ ንዘለኣለም ይድርቢ እዩ? ድሕሪ ደጊምከ ፀጋኡዶ ኣይውስኽን እዩ?
8ምሕረቱኸ ንዘለኣለም ንውሉድ ወለዶዶ ተቛሪፁ እዩ? እቲ ዝተናገሮ ቓልከ ተወዲኡ ድዩ?
9እግዚኣብሄር ንይቕረታኡዶ ረሲዕዎ እዩ? ንምሕረቱኸ ብቝጥዓኡዶ ዓፅይዎ እዩ?
10እዙይ ድኻመይ እዩ በልኩ፤ ዓመታት የማናይ እቲ ልዑል እዝክር ኣለኹ።
11ግብሪ እግዚኣብሄር ዘከርኩ፤ ነቲ ጥንቲ ዝገበርካዮ ተኣምራትካውን እዝክር እየሞ።
12ንዅሉ ግብርታትካ ኸስተንትኖ፥ ነቲ ስራሕኻውን ክዝክሮ እየ።
13ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ብውሽጢ መቕደስ እዩ፤ ከም ኣምላኽና ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽ መን እዩ?
14ተኣምራት እትገብር ኣምላኽ፥ ንስኻ ኢኻ፤ ንህዝብኻ ሓይልኻ ኣርአኻዮም።
15ንደቂ ያእቆብን ዮሴፍን ህዝብኻ፥ ብቕልፅምካ ተቤዘኻዮም።
16ኦ ኣምላኽ፥ ማያት ረአዩኻ፤ ማያት ረአዩኻ እሞ ፈርሑ፤ ቃላያት ተናወፁ፤ ማያትውን ድምፂ ኣስምዑ።
17ደመናት ድምፂ ሃቡ፤ ፍላፃታትካ ወፁ፤ ድምፂ መባርቕትኻውን ኣብ ኣውሎ ነበረ፤ በርቅታትካውን ብዅሉ ወገን ማሕ ማሕ በለ።
18ድምፂ ነጐድጓድካ ብኣውሎ ንፋስ ነበረ። ብርሃን መባርቕ ንዓለም ኣብርሀ፤ ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን።
19መንገድኻ ኣብ ባሕሪ፥ ኣሰርካውን ኣብ ብዙሕ ማያት እዩ፤ ኣካይዳኻውን ኣይፍለጥን።
20ንህዝብኻ ኸም መጓሰ፥ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን መራሕኻዮም።