1እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ተፈለጠ፤ ኣብ እስራኤል ከዓ ስሙ ዓብዪ እዩ።
2ድንኳኑ ኣብ ሳሌም፥ መሕደሪኡውን ኣብ ፅዮን እዩ።
3ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላፃን ዋልታን ሰይፍን፥ ኵሉ ኣፅዋር ውግእን ሰባበረ።
4ንስኻ ኣብቶም ናይ ዘለኣለም እምባታት ኴንካ፥ ብዘደንቕ ተብርህ።
5ኵሎም ሰነፋት ልቢ ደንገፁ፤ ድቃሶምውን ደቀሱ፤ ኵሎም ሃብታማትውን ኣብ ኢዳቶም ዝኾነ ኣይረኽቡን።
6ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፥ ካብ ተግሳፅካ ዝተልዓለ፥ ኵሎም ፈረሰኛታት ደቀሱ።
7ንስኻ ግና፥ ንስኻ ግሩም ኢኻ፤ ንመዓትካ መን ይቃወሞ?
8ፍርዲ ኻብ ሰማይ ኣስማዕኻ፤ ልቢ የዋሃን ምእንቲ ኸድሕን፥ እግዚኣብሄር ንፍርዲ ምስ ተልዓለ፥ ምድሪ ፈርሐት፤ ስቕ ድማ በለት።
10ሰብ ብፍቓዱ የመስግንካ፤ ካብ ተረፍ ሕሊናኦም በዓልካ ይገብሩ።
11ንኣምላኽና ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኽፈሉ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ነቲ ዘፍርሕ ገፀ በረኸት የእትዉ።
12ነፍሲ መኳንንቲ የውፅእ፤ ንነገስታት ምድሪ ኸዓ የፍርሕ።