1ኦ ጐይታ፥ ንኣይ ንምድሓን ተመልከት፤ ኦ ጐይታ፥ ንኣይ ንምርዳእውን ፍጠን።
2እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋ፥ ይሕፈሩን ይሕሰሩን፤ እቶም ኣብ ልዕለይ ክፉእ ዝመኽሩ፥ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን።
3እቶም “እንኳዕ፥ እንኳዕ” ዝብሉኒ፥ ሓፊሮም ንድሕሪት ይመለሱ።
4ኵሎም እቶም ዝደልዩኻ ደስ ይበሎምን ይተሓጐሱን፤ እቶም ምድሓንካ ዝደልዩ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ “ዓብዪ እዩ!” ይበሉ።
5ኣነ ምስኪንን ድኻን እየ፤ ኦ ጐይታ ርድአኒ፤ ኦ ጐይታ ረዳእየይን፥ መናገፊየይን፥ ንስኻ ኢኻሞ ኣይትደንጒ።