1ኦ ጐይታ፥ ኣብ ፅዮን ምስጋና ንኣኻ ይግባእ፤ ንኣኻውን ፀሎት ክቐርብ እዩ።
2ኵሉ ሰብ፥ ፀሎት ናብ እትሰምዕ ናባኻ ይመፅእ።
3ነገር ዓመፅቲ ሓየለና፤ ሓጢኣትናስ ንስኻ ይቕረ ትብለልና ኢኻ።
4ንስኻ ዝመረፅካዮ፥ ኣብ ኣደባባይካውን ክሓድር ዝተቐበልካዮ ብፁእ እዩ፤ ካብ ቤትካ በረኸት ክንፀግብ ኢና።
5ቤተ መቕደስካ ቅዱስ እዩ፤ ብፅድቅውን ዘደንቕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ወሰን ምድርን ኣብ ውሽጢ ርሑቕ ባሕርን፥ ንዘለዉ ዅሎም ተስፋኦም ዝኾንካ፥ ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስምዐና።
6ንእምባታት ብሓይልኻ ኣፅናዕኻዮም፤ ሓይሊውን ተዓጠቕካ።
7ንመዓሙቕ ባሕርን ንድምፂ ማዕበሉን ተናውፅ ኢኻ።
8ካብ ተኣምራትካ ዝተልዓለ ኣህዛብ ይድንግፁ፤ ኣብ ወሰን ምድሪ ዝነብሩውን ይፈርሑ፤ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን መውፅኢ ድማ ተሐጕሶም።
9ንምድሪ ተመልከትካያ፤ ኣርወኻያውን፤ ንሃብታውን የመና ኣብዛሕኻዮ፤ ፈለግ እግዚኣብሄር ማይ ዝመልአ እዩ፤ ከምኡ ተዳልዎ ኢኻሞ፥ ምግቦም ትህቦም።
10ንትልምታታ ተርውዮ፤ ነዝመራኣውን ትሰርዖ፤ ብነጠብጣብ ተለስልሳ፤ ንበቝላውን ትባርኾ።
11ነታ ዓመት ብሕያዋይነትካ ትኽልላ፤ ምድረ በዳውን ኣውሊ ኽፀግብ እዩ።
12እምባታት ምድረ በዳውን ክረውዩ እዮም፤ ኰረብታታትውን ብሓጐስ ይዕጠቑ።
13ሜዳታት ብመጓሰ ተመልኡ፤ ለሰታት ድማ ብእኽሊ ተሸፈኑ፤ ብሓጐስ ዕልል ይብሉን ይዝምሩን።