1ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር እትግዛእዶ ኣይኮነትን? ምድሓነይ ካብኡ እዩሞ።
2ኣምላኸይን መድሓኒተይንውን ንሱ እዩሞ፤ ንሱ መፀግዕየይ እዩ፤ ፈፂመ ኣይናወፅን እየ።
3ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ኣብ ልዕሊ ሰብ እትቖሙ? ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ከም ዝዘንበለ መንደቕ፥ ከም ዝፈረሰ ቕፅሪ ትቐትሉ።
4ግና ንኽብረይ ክስዕሩ መኸሩ፤ ሓሰትውን ፈተዉ፤ ብኣፎም ይምርቑ፤ ብልቦም ይረግሙ።
5ግና ኦ ነፍሰይ፥ ንስኺ ንእግዚኣብሄር ተገዝኢ፤ ተስፋይ ካብኡ እያሞ።
6ንሱ ኣምላኸይን መድሓኒተይን እዩሞ፤ ዕርደይ ንሱ እዩ፤ ፈፂመ ኣይህወኽን እየ።
7ምድሓነይን ክብረይን ብእግዚኣብሄር እዩ፤ ኣምላኽ ረድኤተይን፥ ተስፋይንውን እግዚኣብሄር እዩ።
8ኵልኻትኩም ማሕበር ህዝቢ፥ ብእኡ ተኣመኑ፤ ልብኹምውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ።
9ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።
10ንዓመፅ ተስፋ ኣይትግበሩ፤ ብዘመተውን ኣይትተኣማመኑ፤ ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኹም ኣይተዓበ።
11እግዚኣብሄር ሓደሻዕ ተናገረ፤ ኣነውን ነዙይ ጥራሕ ሰማዕኹ፤ ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
12ኦ ጐይታ፥ ምሕረትውን ናትካ እዩ፤ ንስኻ ንዅሉ ኸም ግብሩ ኽትፈድዮ ኢኻሞ።