1ኦ ኣምላኽ፥ ልመናይ ስማዕ፤ ፀሎተይውን ኣድምፅ።
2ልበይ ተስፋ ምስ ቈረፀ፥ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ እምኒ ልዕል ልዕል ኣበልካኒ።
3ኣብ ቅድሚ ፀላኢ፥ ፅኑዕ ግንቢ፥ ተስፋይውን ኴንካኒ ኢኻሞ መራሕኻኒ።
4ኣብ ድንኳንካ ንዘለኣለም ክነብር እየ፤ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካውን ክኽወል እየ።
5ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብፅዓይ ሰሚዕኻ ኢኻሞ፤ ስምካ ንዝፈርሑ ርስቲ ሃብካዮም።
6ንንጉስ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ፥ መዓልቲ ትውስኸሉ፤ ዘመኑውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ይኸውን።
7ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነብር፤ ክሕልዋኦ ምሕረትካን ሓቅኻን ኣዳልወሉ።
8ከምኡ ንስምካ ንዘለኣለም ክዝምር እየ፤ እዙይውን መብፅዓይ ምእንቲ ኽፍፅም እዩ።