1ኦ ጐይታ፥ ከም መጠን ሕያዋይነትካ መሓረኒ፤ ከም ብዝሒ ምሕረትካ ኸዓ ምትሕልላፈይ ደምስስ።
2ካብ በደለይ ፈፂምካ ሕፀበኒ፤ ካብ ሓጢኣተይውን ኣፅርየኒ።
3ኣነ ምትሕልላፈይ እፈልጥ ኣለኹሞ፤ ሓጢኣተይውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩሞ።
4ብነገርካ ኽትፀድቕ፥ ብፍርድኻውን ንፁህ ክትከውን፥ ኣነ ንኣኻ ጥራሕ በደልኩ፤ ኣብ ቅድሜኻውን ክፉእ ገበርኩ።
5እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ፤ እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ።
6እንሆ፥ ንሓቂ ፈተኻ፤ ዘይረአ ስውር ጥበብ ኣፍለጥካኒ።
7ብስምዕዛ ንፀገኒ ኽነፅህ ድማ እየ፤ ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ።
8ደስታን ሓጐስን ኣስምዐኒ፤ ዝሰበርካዮም ኣዕፅምተይ ደስ ይበሎም።
9ካብ ሓጢኣተይ ገፅካ መልስ፤ ንዅሉ በደለይውን ደምስሰለይ።
10ኦ ጐይታ፥ ንፁህ ልቢ ፍጠረለይ፤ ቅኑዕ መንፈስ ከዓ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ።
11ካብ ገፅካ ኣይትደርብየኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን ካባይ ኣይትውሰደለይ።
12ሓጐስ ምድሓንካ መሊስካ ሃበኒ፤ ብቕኑዕ መንፈስውን ደግፈኒ።
13ሽዑ መንገድኻ ንጠሓስቲ ሕጊ ኽምህር እየ፤ ሓጢኣተኛታት ድማ ናባኻ ኽምለሱ እዮም።
14ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ካብ ደም ኣናግፈኒ፤ ኣንደበተይውን ብፅድቅኻ ኽትሕጐስ እያ።
15ኦ ጐይታ! ኸናፍረይ ክፈት፤ ኣፈይውን ምስጋናኻ ኽነግር እዩ።
16መስዋእቲ እንተ እትፈቱስ መቕረብኩልካ ነይረ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣየሐጕሰካን እዩ።
17መስዋእቲ እግዚኣብሄር ዝተሰብረ መንፈስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንዝተሰብረን ንዝተዋረደን ልቢ ኣይንዕቕን እዩ።
18ኦ ጐይታ፥ ንፅዮን ብፀጋኻ ኣፀባብቃ፤ ቅፅሪ ኢየሩሳሌምውን ንደቕ።
19ሽዑ ብናይ ፅድቂ መስዋእትን፥ ብመባእን ብዝቃፀል መስዋእትን፥ ብምሉእ መስዋእትን ደስ ክብላካ እዩ። ሽዑ ኣብ መሰዊኢኻ ዝራብዓት ክስውኡልካ እዮም።