1እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ኣብ ከተማ ኣምላኽና ኣብታ ቕድስቲ እምባ፥ ምስጋናኡ ብዙሕ እዩ።
2ብወገን ሰሜን ኣብቲ ፅቡቕ ስፍራ ዝቖመ፥ ናይ ኵሉ ምድሪ ሓጐስ እምባ ፅዮን እዩ፤ ንሱውን ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
3እግዚኣብሄር ኣብ ኣዳራሻታ፥ መፀግዒ ኾይኑ ይፍለጥ።
4እንሆ፥ ነገስታት ተኣኪቦም ብሓባር መፂኦም።
5ንሳቶም ሪኦም ተደነቑ፥ ደንገፁ፥ ተሃወኹ።
6ኣብኡ ኸም ሕርሲ ወላድ ምንቅጥቃጥ ሓዞም።
7ብብርቱዕ ንፋስ ንመራኽብ ተርሴስ ትሰባብር።
8ከምቲ ሰሚዕናዮ ዝነበርና፥ ከምኡ ረአና፤ ኣብታ ኸተማ ጐይታ ሰራዊት፥ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከፅንዓ እዩ።
9ኦ ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ህዝብኻ፥ ምሕረትካ ተቐበልና።
10ኦ ኣምላኽ፥ ከም ስምካ፥ ከምኡውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስጋናኻ እዩ። የማንካ ፅድቂ ዝመልአት እያ፤
11ኦ ጐይታ፥ ብፍርድታትካ፥ እምባ ፅዮን ደስ ይበሎ፤ ኣዋልድ ይሁዳውን ይተሓጐሳ።
12ንፅዮን ክበብዋ፤ ኣብ ዙርያኣ ድማ ተመላለሱ፤ ግንብታታውን ቍፀሩ።
13ንዝመፅእ ወለዶ ምእንቲ ኽትነግሩ፥ ንብርታዐኣ ኣስተብህሉ፤ ንኣዳራሻታውን ኣስተውዕሉ።
14እዝ ኣምላኽ እዙይ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ፤ ንሱ ንዘለኣለም ክመርሐና እዩ።