1ንእግዚኣብሄር ኣብ መቕደሱ ኣመስግንዎ፤ ብፅንዓት ሓይሉ ኣመስግንዎ።
2ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ኣመስግንዎ፤ ከም ብዝሒ ዕብየቱ ኣመስግንዎ።
3ብድምፂ መለኸት ኣመስግንዎ፤ ብበገናን ብመሰንቆን ኣመስግንዎ።
4ብኸበሮን ብስዕስዒትን ኣመስግንዎ፤ ብኣውታርን ብእምብልታን ኣመስግንዎ።
5ድምፁ ሰናይ ብዝኾነ ፀናፅል ኣመስግንዎ፤ ብፀናፅልን ብዕልልታን ኣመስግንዎ።
6ኵሉ እስትንፋስ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር የመስግን። ሃሌ ሉያ።