1ሰነፍ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል፤ ብስራሖም ረኸሱን ተበላሸዉን፤ ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን።
2ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ለባም ሰብ እንተሊዩ ኽርኢ ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
3ኵላቶም ዓመፁ፤ ሓቢሮምውን ረኸሱ፤ ሰናይ ዝገብር ሰብ የለን፤ ሓደ እኳ የለን። (4—6፡ ኣብ ናይ ቀደም ትርጕም ጥራሕ ዝርከቡ፦ 4. ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖምውን ይሽፍጡ። 5. ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ፤ ኣፎም መርገምን መሪርን ዝተመልአ እዩ። 6. ኣእጋሮም ደም ንምፍሳስ ቅልጡፋት እየን፤ ኣብ መንገዶም ሓሳርን ጥፍኣትን ኣሎ፤ ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን እዮም፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።)
4እዞም ንህዝበይ ከም እንጀራ ዝበልዑ? ኵሎም እቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ብሓቂ ኣይፈልጡን ድዮም? ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን።
5ኣብኡ ብዓብዪ ፍርሓት የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ትውልዲ ፃድቃን እዩ እሞ።
6ንስኻትኩም ንምኽሪ ድኻታት ኣሕፈርኩም፤ ግና ተስፋኦም እግዚኣብሄር እዩ።
7ኣብ ፅዮን ንእስራኤል መድሓኒት መን ይህብ! እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ፥ ያእቆብ ደስ ይብሎ፤ እስራኤልውን ይሕጐስ።