1ብቓለይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ብቓለይ ናብ እግዚኣብሄር ለመንኩ።
2ልመናይውን ኣብ ቅድሚኡ አፍስስ ኣለኹ፤ መከራይውን ኣብ ቅድሚኡ እነግር ኣለኹ።
3ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ መንመነት፥ ንስኻ መንገደይ ትፈልጥ፤ ኣብታ ዝኸደላ መንገዲ፥ መፈንጠር ሓብኡለይ።
4ናብ የማነይ ተመልከትኩ፤ ረአኹውን፤ ዝፈልጠኒውን ሰኣንኩ፤ መሕብኢውን የብለይን፤ ስለ ነፍሰይውን ዝመራመር የለን።
5ኦ ጐይታ፥ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኣብ ምድሪ ህያዋንውን ብፅሒተይ ንስኻ ኢኻ በልኩ።
6ብዙሕ ተሸጊረ እየሞ፥ ልመናይ ስማዕ፤ ሓይሎምኒ እዮም እሞ ኻብቶም ዘሳጕጉኒ ኣናግፈኒ።
7ኦ ጐይታ፥ ንስምካ ኸመስግንስ፥ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኣያ፤ ዋጋይ ክሳዕ እትህበኒ፥ ፃድቃን ንኣይ ይፅበዩ ኣለዉ።