1ኦ ጐይታ፥ ካብ ማዕሙቝ ፀዋዕኩኻ።
2ኦ ጐይታ፥ ድምፀይ ስማዕ፤ እዝንኻውን ቃል ልመናይ ዘዳምፅ ይኹን።
3ሓጢኣት እንተ እትቈፃፀርስ፥ ኦ ጐይታ፥ መን ክቐውም ይኽእል?
4ይቕረታ ብኣኻ እዩሞ።
5ኦ ጐይታ፥ ስለ ስምካ ተስፋ ገበርኩ፤ ነፍሰይ ብሕግኻ ተዓገሰት።
6ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ለይቲ፥ ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ተኣመነት።
7ምሕረት ካብ እግዚኣብሄር፥ ብዙሕ ምድሓንውን ካብኡ እዩሞ፤ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ይተኣመን።
8ንሱ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ሓጢኣት ከድሕኖ እዩ።