1“ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ” ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ።
2ኦ ኢየሩሳሌም፥ እንሆ ኣእጋርና ኣብ ኣደባባያትኪ ቖይመን ኣለዋ።
3ኢየሩሳሌምስ ንስንሳታ ኸም እተጋጠመት ከተማ እያ ተሓኒፃ።
4ንስም እግዚኣብሄር ከመስግኑ፥ ንእስራኤል ምስክር ክኾኑ፥ ነገዳት እግዚኣብሄር ናብኡ ኽድይቡ እዮም።
5ኣብኡ ዝፋናት ፍርዲ፥ ዝፋናት ቤት ዳዊት ተዘርጊሖም ኣለዉ።
6ንኢየሩሳሌም ሰላም ለምኑ፤ ንዝፈትዉኺውን ልምዓት ይኹን።
7ብሓይልኻ ሰላም፥ ብዝተጋየፀ ቤትካውን ልምዓት ይኹን።
8ስለ ኣሕዋተይን፥ ስለ ብፆተይውን፥ “ኣብ ውሽጥኺ ሰላም ይኹን” እብል ኣለኹ።
9ስለ ኣምላኽና፥ ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላክና ኢለ፥ ንኣኺ ሰናይኪ እደሊ ኣለኹ።