1ኣዒንተይ ናብ እምባታት ኣልዓልኩ፤ ረድኤተይ ካበይ ይምፃእ?
2ረድኤተይስ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
3ንእግርኻ ንምንዋፅ ኣይህቦን፤ እቲ ዝሕልወካውን ኣይድቅስን።
4እንሆ፥ እቲ ንእስራኤል ዝሕሉ፥ ኣይድቅስን፤ ኣይታኸስንውን።
5እግዚኣብሄር ይሕልወካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢድካ ኽጋርደካ እዩ።
6ፀሓይ ብመዓልቲ ኣየቃፅለካን፤ ብለይቲ እውን ወርሒ።
7እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ኽፉእ ክሕልወካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ኽሕልዋ እዩ።
8እግዚኣብሄር ካብ ሕዚ ጀሚሩ ንዘለኣለም፥ ምውፃእኻን ምእታውካን ክሕሉ እዩ።