1ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ንትእዛዛቱውን ዝሕሉ ሰብ የመና ብፁእ እዩ።
2ዘርኡ ኣብ ምድሪ ፅኑዕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ ፃድቃን ክባረኹ እዮም።
3ክብርን ሃብትን ኣብ ገዛኡ እዩ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር።
4ንቕኑዓት ኣብ ፀልማት ብርሃን ወፀ፤ መሓርን ይቕረ በሃላይን ፃድቕውን እዩ።
5ሕያዋይ ሰብ ይርህርህን የለቅሕን፤ ንነገሩ ብፍትሒ ይፍፅሞ።
6ንዘለኣለምውን ኣይህወኽን፤ መዘከርታ ፃድቕ ንዘለኣለም ይነብር።
7ካብ ክፉእ ነገርውን ኣይፈርሕን፤ ብእግዚኣብሄር ንምእማን ልቡ ፅኑዕ እዩ።
8ትምኒቱ ኣብ ፀላእቱ ኽሳዕ ዝርኢ፥ ልቡ ተባዕ እዩ፤ ኣይፈርሕን።
9በተነ ንድኻታትውን ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር፤ ቀርኑውን ብኽብሪ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
10ሓጥእ ነዙይ ሪኡ ይቝጣዕ፤ ኣስናኑ ይሕርቕም፤ ይመክኽውን፤ ትምኒት ሓጥኣንውን ትጠፍእ።