1ኦ ኣምላኽ፥ ንልመናይ ሸለል ኣይትበል።
2ኣፍ ሓጥእን ኣፍ ዓማፅን ኣብ ልዕለይ ተኸፊቶም እዮምሞ፤ ኣብ ልዕለይውን ብሓሰት ኣንደበት ተዛረቡ።
3ብቓል ፅልኢ ኸበቡኒ፤ ብኸንቱውን ተዋግኡኒ።
4ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተፃረሩኒ፤ ኣነ ግና እፅሊ ኣለኹ።
5ክንዲ ሰናይ ክፉእ፥ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ከዓ ፅልኢ ፈደዩኒ።
6ኣብ ልዕሊኡ ሓጢኣተኛ ሹም፤ ሰይጣንውን ኣብ የማኑ ይቑም።
7ኣብ ዝማጐተሉ ጊዜውን ተረቲዑ ይውፃእ፤ ፀሎቱውን ሓጢኣት ትኹኖ።
8መዋዕሉውን ውሑዳት ይኹና፤ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ።
9ውሉዱ ደኽታማት ይኹኑ፤ ሰበይቱውን መበለት ትኹን።
10ደቁ ኸርተት ይበሉ፤ ለማኖውን ይኹኑ፤ ካብ ኣባይቶምውን ይስጐጕዎም።
11ንዅሉ ገንዘቡ በዓል ዕዳ ይውረሮ፤ ንዅሉ ዝደኸመሉውን ባዕዲ ይዝመቶ።
12ዝረድኦውን ኣይርከብ፤ ንደኽታማት ደቁ ዝርህርሀሎም ኣይሃሉ።
13ደቁ ይጥፍኡ፤ ብሓደ ትውልዲ ስሙ ይደምሰስ።
14በደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትዘከር፤ ሓጢኣት እኖኡ ኸዓ ኣይደምሰስ።
15ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ይሃሉ፤ መዘከርታኡውን ካብ ምድሪ ይጥፋእ።
16ምሕረት ክገብር ኣይሓሰበንሞ፤ ንሽግረኛን ንምስኪንን ሰጐጐ፤ ልቡ ንዝተሰብሮ ሰብ ንምቕታልውን ልቡ ጨካን እዩ።
17ንመርገም ፈተዋ፤ ናብኡ ድማ መፀት፤ ንበረኸት ኣይመረፃን፤ ካብኡ ድማ ረሓቐት።
18ንመርገም ከም ክዳን ተኸደና፤ ከም ማይ ናብ መዓንጣኡ፥ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕፅምቱ ሰረፀት።
19ከምቲ ዝውንዘፎ ልብስን፥ ከምቲ ዅልሻዕ ዝዕጠቖ ቅናትን ይኹኖ።
20እዝ ግብሪ እዙይ ኣብቶም ምስ እግዚኣብሄር ዘፃልኡኒ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሰይውን ክፉእ ዝናገሩ እዩ።
21ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ግና ምእንቲ ስምካ ኢልካ፥ ምሕረትካ ኣብ ልዕልይ ግበር፤ ምሕረትካ ሰናይ እዩሞ ኣድሕነኒ።
22ኣነ ምስኪንን ድኻን እየ እሞ፤ ልበይውን ኣብ ውሽጠይ ደንገፀኒ።
23ከም ዝሓለፈ ፅላሎት ሃለቕኩ፤ ከም ኣንበጣውን ረገፍኩ።
24ኣብራኸይ ብፆም ደኸማ፤ ስጋይውን ቅብኣት ብምስኣን ዓበረ።
25ኣነ ኸዓ መላገፂኦም ኮንኩ፤ እንትሪኡኒውን ርእሶም ይንቕንቑ።
26ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ርድአኒ፤ ከም መጠን ምሕረትካውን ኣድሕነኒ።
27ኦ ጐይታ፥ እዚኣ ኢድካ ኸም ዝኾነት፥ ንስኻውን ነዙይ ከም ዝገበርካ ይፍለጡ።
28ንሳቶም ይራገሙ፤ ንስኻ ግና ባርኽ፤ እቶም ኣባይ ዝለዓሉ፥ ይሕፈሩ፤ ባርያኻ ግና ይተሓጐስ።
29እቶም ዘፃልኡኒ ሓፍረትን ውርደትን ይከደኑ፤ ንነውሮምውን ከም ነፀላ ይወንዘፍዎ።
30ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ የመና ኸመስግኖ እየ፤ ኣብ ማእኸል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።
31ካብቶም ንነፍሱ ዝዅንንዋ ምእንቲ ኸድሕና፥ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቖይሙ እዩ እሞ።