1“እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩሞ፥ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩ እሞ ኣመስግንዎ።”
2እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም፥ ካብ ኢድ ፀላኢውን ዘድሓኖም ይናገሩ።
3ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፥ ካብ ሰሜንን ካብ ባሕርን ከካብ ሃገሩ ኣከቦም።
4ማይ ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ ኾለል በሉ፤ ናይቲ ዝነብሩሉ ኸተማውን መንገዲ ኣይረኸቡን።
5ጠመዩ፤ ፀምኡውን፤ ነፍሶም ኣብ ልዕሊኣቶም ሃለቐት።
6ሽዑ ምስ ጨነቆም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኦም ኣድሓኖም።
7ናብታ ዝነብሩላ ኸተማ ክኸዱ፥ ብቕኑዕ መንገዲ መርሖም።
8ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
9ንሱ ንዝጠመየት ነፍሲ ኣፅጊቡ እዩሞ፤ ንዝዓረቐት ነፍሲውን ብበረኸት መሊኡ እዩሞ።
10ገሊኣቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም ዝተጨነቑ፥ ኣብ ውሽጢ ፀልማትን ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ነበሩ፤
11ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝዓመፁ፥ ንምኽሪ ልዑልውን ስለ ዝነዓቑ፤
12ልቦም ብድኻም ተዋረደ፤ ሓመሙ፤ ዝረድኦምውን ሰኣኑ።
13ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ካብ መከራኦምውን ኣድሓኖም።
14ካብ ፀልማትን ካብ ፅላሎት ሞትን ኣውፅኦም፤ መዋቕሖም ከዓ ሰባበረ።
15ስለ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን፥ ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ።
16ንሱ ነቲ ናይ ነሃስ በርታት ሰቢሩ እዩ እሞ፤ መሸጐር ሓፂናትውን ቈራሪፁ እዩ እሞ።
17ስለ ዓመፃኣቶም ሰነፉ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ተሸገሩ።
18ሰብነቶም ንዅሉ ምግቢ ተፀየፈት፤ ናብ ኣፍ ደገ ሞትውን ቀረቡ።
19ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኣቶም ኣድሓኖም።
20ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፤ ካብ መከራኣቶምውን ኣድሓኖም።
21ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
22መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኡሉ፤ ግብሩ ድማ ብሓጐስ ይንገሩ።
23ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዝወርዱ፥ ኣብ ብዙሕ ማያትውን ስራሖም ዝሰርሑ፥
24ንሳቶም ስራሕ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ መዓሙቕ ዘሎ ዘደንቕ ተግባሩን ረአዩ።
25ኣዘዘ፤ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ተስአ፤ ማዕበልውን ልዕል ልዕል በለ።
26ናብ ሰማይ ይድይቡ፤ ናብ መዓሙቝ ኸዓ ይወርዱ፤ ነፍሶም ድማ ብመከራ መኸኸት።
27ደንገፁ፤ ከም ሰካራምውን ሰንደልደል በሉ፤ ኵሉ ጥበቦምውን ተውሓጠ።
28ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኦም ኣድሓኖም።
29ነቲ ኣውሎ ነፋስ ፀጥ ኣበለ፤ እቲ ማዕበል ድማ ሃድአ።
30ሃዲኡ እዩሞ ተሓጐሱ፤ ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ መርሖም።
31ስለ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን፥ ንእግዚኣብሔር የመስግንዎ።
32ኣብ ማእኸል ጉባኤ ህዝቢ ልዕል ልዕል የብልዎ፤ ኣብ ባይቶ ሽማግለታት ድማ ይወድስዎ።
33ንኣፍላግ ምድረ በዳ፥ ንዓይኒ ማያት ከዓ ደረቕ ገበሮም።
34ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ጨው ገበራ።
35ንምድረ በዳ ምውሓዝ ማይ፥ ንንቑፅ ምድሪ ኸዓ ዓይኒ ማይ ገበረ።
36ኣብኡውን ንጥሙያት ኣስፈረ፤ ንሳቶም ከዓ ዝነብሩላ ኸተማ ሰርሑ።
37ወይኒ እውን ተኸሉ፤ ገራሁውን ዘርኡ፤ ብዙሕ ምህርቲ እኽልውን ኣእተዉ።
38ባረኾም፤ የመናውን በዝሑ፤ እንስሳኣቶምውን ኣየውሓደሎምን።
39ንሳቶም ከዓ ብጭንቂ ብመከራ ብሓዘን ተሳቐዩ፤ እናወሓዱውን ከዱ።
40ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቖምውን ሓሳር ኣፍሰሰ፤ መንገዲ ብዘይብሉ ምድረ በዳ ኸርተት ኣበሎም።
41ነቲ ድኻውን ካብ ሽግሩ ረድኦ፤ ንወገናቱ ድማ ኸም መጓሰ ኣባጊዕ ኣብዝሖም።
42ቅኑዓት ይርኣዩ፥ ደስውን ይበሎም፤ ኵላ ሓጢኣትውን ኣፋ ክትዓፁ እያ።
43ነዙይ ዝሕልዎ ለባም መን እዩ? እግዚኣብሄር መሓሪ ኸም ዝኾነ ኸስተውዕል እዩ።