መጽሓፍ ምሳሌ 31

BCV aksumትግርኛ31 ፍቕድታት3:06 ስማዕ
ስማዕ 3:06 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እኖኡ ዝመሃረቶ ናይ ማሳ ንጉስ ናይ ልሙኤል ቃል፦

2“ኦ ወደይ፥ ኣታ ውሉድ ከርሰይ፥ ኦ ፍረ ማህፀነይ እንታይ እዩ? ኣታ ውሉድ መብፅዓይ፥ እንታይ እሞ ኽብለካ እየ?

3ሓይልኻ ንኣንስቲ ኣይተጥፍእ፤ መንገድኻውን ነገስታት ንዘጥፍኡ ኣይትሃብ።”

4“ልሙኤል ስማዕ! ነገስታት ወይኒ ኽሰትዩ፥ መሳፍንቲ ‘ዘስክር መስተ ኽብህጉ?’ ኣይግባእን እዩ።

5ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፥ መሰል ናይቶም ግፉዓት ከይግሕሱስ፥ መስተ ንነገስታት ግቡእ ኣይኮነን።”

6“ብርቱዕ መስተ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፥ ወይኒ ኸዓ ነቶም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባት እዩ ዝግባእ።

7ይስተዩ እሞ ድኽነቶም ይረስዑ፤ መከራኦም ከዓ ኣይዘክሩ።

8ክንዲ በሃምን፥ ክንዲ ደኽታምን ኣፍካ ኽፈት።

9ኣፍኻ ኽፈት ብሓቅውን ፍረድ፤ ንድኹምን ንምስኪንን ፍትሒ ኣውፅአሎም።”

10ለባም ሰበይቲ መን ይረኽባ? ዋጋኣ ኻብ ዝኸበረ ቐይሕ ዕንቊ የመና ዝኸበረት እያ።

11ልቢ ሰብኣያ ይእመና፤ ምርኮውን ኣይጐድሎን።

12ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ ትገብረሉ እምበር ክፉእ ኣይትገብርን።

13ፀጕሪ በጊዕን ልሕፂ እንጣጢዕን ትደሊ፤ ተሓጒሳ ኸዓ በእዳዋ ትሰርሕ።

14ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፤ ካብ ርሑቕ ሃገር ቀለባ ተምፅእ።

15ገና ለይቲ እንተሎ፥ ትትስእ እሞ፥ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፥ ነግራዳ ኸዓ ሰስርሐን ተትሕዘን።

16ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፤ ብፍረ ኣእዳዋ ገይራ ኸዓ ትተክል።

17ሕቘኣ ኣበርቲዓ ትቕነት፤ ቅልፅማውን ተበርትዕ።

18ኵሉ ንግዳ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ትርኢ፤ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።

19ኣእዳዋ ናብ መፍተል ትዝርግሕ፤ ኣፃብዕታ መፍተል ይሕዛ።

20ኣእዳዋ ናብ ድኻ ትዝርግሕ፤ ናብ ፅጉማትውን ኣእዳዋ ትሰድድ።

21ንዅሎም ስድራኣ ኻብ ቍሪ በረድ ዝተልዓለ ኣይትፈርሕን፤ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም፤ ስለዙይ ኣስሓይታ ኽወርድ እንተሎ ኣይትፈርሕን።

22ንባዕላ ምንፃፋት ግብረ መርፍእን ስጋጃን ትሰርሕ፤ ኤፉድን ቀይሕ ክዳንን ከዓ ትኽደን።

23ሰብኣያ ኣብ ባይቶ ኣብ ማእኸል ዓበይቲ ዓዲ እንትቕመጥ ክቡር እዩ።

24ፅቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥ፤ ንነጋዶውን ቅናት ተቕርበሎም።

25ሓይልን ክብረትን ክዳና እዩ፤ ነቲ ዳሕረዋይ ዘመን ከዓ ትስሕቖ።

26ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፤ ትምህርቲ ሕጊ ርህራሄውን ኣብ መልሓሳ እዩ።

27ኩነታት ቤተሰባ ብትግሃት ትከታተል፤ እንጀራ ትህኺትውን ኣይትበልዕን።

28ደቃ ተሲኦም ብርኽቲ ኢኺ ይብልዋ፤ ሰብኣያ ድማ ኸምዙይ ኢሉ የመስግና፦

29“ፅቡቕ ዝገበራ ብዙሓት ኣንስቲ ኣለዋ፤ ካብ ኵላተን ግና ንስኺ ትበልፂ ኢኺ።”

30ፅባቐ ሓሰት እዩ፤ ቁንጅና ድማ ኸንቱ እዩ፤ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ ግና፥ ክትነኣድ ይግብኣ።

31ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሃብዋ፤ ኣብ ደገታትውን ተግባራ ይንኣዳ።

ትርጓሜ

31:1-9 ደቂ ኣብ ትሕቲ ዐይን ኣደኦም ክዀኑ ከለዉ፡ ንኣእምሮኦም ብቅንዕና ንምቕራጽ ዕድል ይረኽባ። እቶም ዝዓበዩ ድማ፡ ኣብ ህጻንነቶም ዝረኸብዎ ጽቡቕ ትምህርቲ ኣዘውቲሮም ክዝክሩ ይግባእ። ብዙሓት ተስፋ ዝነበሮም ሰባት ብሕሱራት ኣንስቲን ብፍቕሪ ወይኒን ዝዓነዉ ዘሕዝኑ ኣብነታት፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዘን ክፍኣታት እዘን ንኽርሕቕ ከጠንቅቕዎ ይግባእ። ወይኒ ንጥሮታ ወይ ንመድሃኒት ክጥቀመሉ ይግባእ። ኵሉ ፍጥረት ኣምላኽ ጽቡቕ እዩ፡ ወይኒ ድማ፡ እኳ ደኣ እንተ ተዓመጸ፡ ረብሓኡ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ መዐቀኒ ድማ፡ ቅኑዕ ምስጋናን ምጽንናዕን፡ ንእቶም ዝተስፋዕርሩን ዝተፈተኑን ሰባት ከም መናደዲ ልቢ ኰይኖም ክጥቀሙሉ ይግባእ፡ ንእቶም ንርእሶም ዝተኣማመኑን ርእሰ-ፍቑራትን ግን ክዋሃቡ የብሎምን። ኵሎም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ድማ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ንላዕሊ እውን፡ ብጥንቃቐ ልጓም ርእሶም ክገብሩ ይግባእ። ከምኡ ድማ፡ ነቶም ነቲ ጉዳዮም ንምምስካር ዘይክእሉ ወይ ዝፈርሑ ተኸላኸልቲ ክዀኑ ይግባእ። ብሩኽ ጐይታና እቲ ኣብ ኣእዳዉ ዝተሰርዔ ዝመረረ ጠስሚ ናይ ጽዋዕ ሓዘን ኣይነጸገን። ግናኸ ንሱ ነቲ ጽዋዕ ምጽንናዕ ኣብ ኣእዳው ህዝቡ የንብር፡ ነቶም ኣብ ዝኸፍአ ጸበባ ዘለዉ ድማ የሐጕሶም።

ምሳሌ 31:10-31 እዚ ብዛዕባ ናይቶም ግዜያት ሓንቲ ቅንዕቲ ሰበይቲ ገላጺ መግለጺ እዩ፣ እቶም ቀንዲ ነጥብታት ግና ንኹሉ ዘመን ከምኡ'ውን ንኹሉ ህዝቢ ብማዕረ ዝሰማምዑ እዮም። ንሰብኣያ ክብሪን ፍቕርን ዝበቅዕት ምዃና ከተርኢ፣ ሓሳቡ ንምፍላጥ፣ ከምኡ'ውን ንሱ ኣብኣ ክገዝእ ፍቓደኛ እያ ብጣዕሚ ትጥንቀቕ።

1.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6