1ወደይ፥ ንቓለይ እንተ ተቐበልካዮ፥ ንትእዛዛተይ ከዓ ተጠንቂቕካ እንተ ሓዝካየን፥
2እዝንኻ ናብ ጥበብ እንተ ኣቕለብካ፥ ልብኻ ናብ ምስትውዓል እንተ መለስካ፥
3እወ፥ ኣእምሮ ኽትረክብ፥ ምስትውዓልውን ክወሃበካ እንተ ተማህለልካ፥
4ንጥበብ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሊኻያ፥ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካውን እንተ ኣሊሽካያ፥
5ሽዑ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ክትፈልጥ ኢኻ፤ ንፍልጠት ኣምላኽ ከዓ ኽትረኽቦ ኢኻ።
6ጥበብ ዝህብ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልንውን ካብ ኣፉ ይወፅእ።
7ንሱ ንቕኑዓት ድሕነት ይእክበሎም፤ ብዘይ ነውሪ ንዝኸዱ ኸዓ ዋልታኦም ይኸውን።
8መንገዲ ፍትሒ ይሕሉ፤ መንገዲ ቕዱሳንውን የፅንዕ።
9ሽዑ ፅድቅን ፍርድን ቅንዕናን ኵሉ ሰናይ መንገድን ክትፈልጥ ኢኻ።
10ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፤ ፍልጠትካውን ንነፍስኻ ኽተሐጕሳ እያ።
11ምኽሪ ኽትሕልወካ፥ ምስትውዓል ድማ ኸተዕቝበካ እያ።
12ካብ ኽፉእ መንገዲ፥ ካብቶም ቀይናን ዝዛረቡ ሰባት ድማ ኽተናግፈካ እያ።
13ንሳቶም ንመንገዲ ቕንዕና ሓዲጎም፥ ብመንገዲ ፀልማት ይኸዱ፤
14ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፤ ብቐይናን ነገርውን ደስ ይብሎም፤
15ንሳቶም መንገዶም ዝጠዋውዩ፥ ኣካይዳኦም ድማ ዘቐይንኑ እዮም።
16ወደይ፥ ካብታ ንሰብኣይ ንእስነታ ዝሓደገት፥ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኣተወቶ ኪዳን ዝረስዐት ዘማዊት ሰበይትን፥ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራን ከተናግፈካ እያ።
18ቤታ ናብ ሞት፥ መንገዳ ኸዓ ናብ ምዉታት ዘውርድ እዩ።
19ካብቶም ናብኣ ዝኣትዉ ሓደ እኳ ዝምለስ የለን፤ ንመንገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም።
20ንስኻ ግና ናይቶም ሰናይ ዝገብሩ ሰባት ኣብነት ተኸተል፤ ንመንገዲ ፃድቃንውን ሓልዋ።
21እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዝነብሩ፥ እቶም ፍፁማት ከዓ ኣብኣ እዮም ዝተርፉ።
22ሓጢኣተኛታት ግና ኻብ ምድሪ ይጠፍኡ፤ ዓመፀኛታትውን ካብኣ ይንቀሉ።