1እቲ ብዙሕ ተገሲፁ ኽሳዱ ዘትርር፥ ብድንገት ይስበር፤ ፈውሲውን የብሉን።
2ፃድቃን እንተ በዝሑ፥ ህዝቢ ይሕጐስ፤ ረሲኣን እንተ ሰልጠኑ ግና ህዝቢ ይበኪ።
3ጥበብ ዝፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጕሶ፤ ምስ ኣመናዝር ዝተዓራረኽ ግና ገንዘቡ ይውድእ።
4ንጉስ ንሃገሩ ብፍትሒ የፅንዓ፤ ጉቦ ዝፈቱ ግና የጥፍኣ።
5እቲ ንብፃዩ ብተንኰል ዘቀባጥረሉ፥ ነእጋሩ መፃወድያ የፃውደሉ።
6ኣብ ገበን ክፉእ ሰብ መፃወዲያ ኣሎ፤ ፃድቕ ግና ዕልል ይብል፤ ይሕጐስውን።
7ፃድቕ ሰብ ንመሰል ድኻታት ይሕለቕ፤ ሓጢኣተኛ ሰብ ግና ንፍልጠት ኣየስተውዕልን።
8መላገፅቲ ሰባት ከተማኦም የቃፅሉ፤ ጠቢባን ግና ባእሲ የህድኡ።
9ለባም ምስ ዓሻ እንተ ተፃልአ፥ እቲ ዓሻ ይስሕቕ ወይ ይናደድ፤ ዕረፍቲ እውን የብሉን።
10መፍሰስቲ ደም፥ ንፍፁም ሰብ ይፀልእዎ፤ ነፍሲ እቲ ቕኑዕውን ይደልዩ።
11ሰነፍ ሰብ ንዅሉ ዅራኡ የውፅኦ፤ ጠቢብ ግና ይዓግቶ፤ የህድኦውን።
12መራሒ፥ ሓሰት ዝሰምዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቶም ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ዅሎም፥ ዓመፀኛታት ይኾኑ።
13ድኻን ግፍዐኛን ይራኸቡ፤ እግዚኣብሄር ነዒንቲ ኽልቲኦም ብርሃን ይህብ።
14ንድኻታት ብሓቂ ዝፈርድ ንጉስ፥ ዙፋኑ ንዘለኣለም ይፀንዕ።
15በትርን ተግሳፅን ጥበብ ይህቡ፤ ዘይተቐፅዐ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ።
16ሓጥኣን እንተ በዝሑ፥ ሓጢኣት ይበዝሕ፤ ፃድቃን ግና ውድቀቶም ይሪኡ።
17ንውሉድካ ቕፅዓዮ ኸዕርፈካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ታሕጓስ ክህባ እዩ።
18ራእይ እንተ ዘይሃልዩ፥ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፤ ሕጊ ዝሕሉ ግና ዝተመስገነ እዩ።
19ባርያ፥ ብቓል ኣይግሰፅን፤ እንተ ኣስተውዓሎ እኳ ኣይምለስን።
20በነጋግራኡ ዝህወኽ ሰብ እንተ ርኢኻ፥ ካብኡ ንሰነፍ ዝሐሸ ተስፋ ኣለዎ።
21እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ፥ ንባርያኡ ኣሐንቂቑ ዘዕቢ፤ ኣብ መወዳእታ ኸም ጐይታ ይኾኖ።
22ቍጡዕ ሰብ ባእሲ የለዓዕል፤ ሃለፍለፍ ዝብል ሰብ ከዓ ሓጢኣት የብዝሕ።
23ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፤ ትሑት መንፈስ ዘለዎ ግና፥ ክብረት ይረክብ።
24እቲ ምስ ሰራቒ ዝሓብር፥ ንነፍሱ ይፀልኣ፤ መርገምውን ይሰምዕ፤ ግና ሓደ እኳ ኣይገልፅን።
25ንሰብ ምፍራሕ፥ ኣብ መፃወድያ የእቱ፤ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።
26ብዙሓት ሰባት ገፅ ገዛኢ ይደልዩ፤ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
27ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፃድቃን ፍንፉን እዩ፤ እቲ ብቕኑዕ መንገዲ ዝመላለስ ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣተኛታት ፅሉእ እዩ።