1ሓጥኣን ዝሰጎም ዘይብሎም ይሃድሙ፤ ፃድቃን ግና ኸም ሽደን ኣንበሳ ተኣማሚኖም ይነብሩ።
2ብሰንኪ ዓመፃ እታ ሃገር፥ ገዛእታ ይበዝሑ፤ ብመስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ዘመና ይነውሕ።
3ንምስኪን ዘጨንቕ ሰብ፥ ከምቲ ኣዝመራ ዘጥፍእ ብርቱዕ ዝናም እዩ።
4ጠሓስቲ ሕጊ ንኽፉኣት ሰባት ይንእድዎም፤ ሕጊ ዝፍፅሙ ግና ይቃወምዎም።
5ክፉኣት ሰባት ፍትሒ ኣየስተውዕሉን፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝእዘዝዎ ግና፥ ንዅሉ የስተውዕልዎ።
6ብቐይናን መንገዲ ኻብ ዝኸይድ ሃብታም፥ ብቕንዕና ዝመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
7ንሕጊ ዝሕልዎ፥ መስተውዓሊ ውሉድ እዩ፤ ምስ ዘይረብሕ ዝተዓራረኽ ግና ነቦኡ የሕፍሮ።
8እቲ ብሃረፃን ብዘይግባእ ረብሓን ሃብቲ ዘብዝሕ፥ ነቲ ንድኻታት ዝርህርሀሎም ሰብ ይእክበሉ።
9እቲ ንሕጊ ኸይሰምዕ እዝኑ ዝደፍን ሰብ፥ ፀሎቱ ፅዩፍ እዩ።
10እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ ክፉእ መንገዲ ዝመርሖም፥ ኣብ ጕድጓድ ይወድቕ፤ እቶም ፍፁማን ግና፥ ሰናይ ነገር ክወርሱ እዮም።
11ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝኾነ ይመስሎ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ግና ይዕዘቦ።
12ፃድቃን እንተ ሰዓሩ፤ ዓብዪ ኽብሪ ኣሎ፤ ክፉኣት ሰባት ስልጣን እንትሕዙ ግና፥ ህዝቢ ይሕባእ።
13ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
14ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ ልቡ ዘትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ።
15ኣብ ልዕሊ ድኻ ህዝቢ ዝገዝእ ክፉእ መራሒ፥ ከም ዝጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።
16ኣእምሮ ዘይብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፤ ግፍዒ ዝፀልእ ግና ንብዙሕ ዘመን ይነብር።
17ቀታሊ ሰብ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ይሃድም፤ ሓደ እኳ ኣየፀግዖን።
18ብዘይ ነቐፋ ዝመላለስ ይድሕን፤ ብቐይናን መንገዲ ዝኸይድ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ይወድቕ።
19ግራቱ ዝሓርስ እንጀራ ይፀግብ፤ ደድሕሪ ምናምን ዝስዕብ ግና ይደኪ።
20ቅኑዕ ሰብ የመና ይባረኽ፤ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዝህወኽ ግና፥ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።
21ኣድልዎ ግቡእ ኣይኮነን፤ ምእንቲ ቝራስ እንጀራ ምብዳልውን፥ ፅቡቕ ኣይኮነን።
22መንቀኛ ሰብ ክህብትም ይሃፅፅ፤ ድኽነት ከም ዝመፆ ግና ኣይፈልጥን።
23ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዘቀባጥር፤ እቲ ንሰብ ዝግስፅ ደሓር ሞገስ ይረክብ።
24እቲ “ሓጢኣት ኣይኮነን” እናበለ፥ ካብ ኣቦኡን እኖኡን ዝሰርቕ፥ ዓርኪ ሰራቒ እዩ።
25ረብሓ ዝሃርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ይፀግብ።
26ብልቡ ዝእመን ሰብ ሰነፍ እዩ፤ እቲ ብጥበብ ዝመላለስ ግና ይድሕን።
27ንድኻ ዝህብ ኣይጐድሎን፤ ኣዒንቱ ዝዕምት ግና፥ ብዙሕ መርገም ይወርዶ።
28ሓጥኣን ሰባት እንተ ተሸሙ ሰባት ይሕብኡ፤ እንተ ጠፍኡ ግና ፃድቃን ይበዝሑ።