1መዓልቲ ዘምፅኦ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ፅባሕ ብዝኸውን ኣይትመካሕ።
2ካልእ ይንኣድካ እምበር ኣፍካ ኣይኮነን፤ ካልእ ይወድስካ እምበር ከናፍርካ ኣይኮነን።
3እምኒ ኸቢድ እዩ፤ ሑፃ ኸዓ ሸኽሙ ረዚን እዩ፤ ካብ ክልቲኡ ግና ቝጥዓ ሰነፍ ይኸብድ።
4ቍጥዓ ጨካን እዩ፤ ኵራውን ውሕጅ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ክቐውም ይኽእል?
5ካብ ሕቡእ ፍቕሪ፥ ግሉፅ ተግሳፅ ይሐይሽ።
6ካብ ብዙሕ ምስዓም ፀላኢ፥ ናይ ፈታዊ ምቝሳል ይሐይሽ።
7ዝፀገበት ነፍሲ ወለላ መዓር ትረግፅ፤ ንዝጠመየት ነፍሲ ግና፥ ኵሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ።
8ካብ ቤቱ ወፂኡ ዝዅብልል ሰብ፥ ሰፈራ ሓዲጋ ኸም እትዅብልል ዒፍ እዩ።
9ቅብእን ዕጣንን ንልቢ ኸም ዘሐጕሶ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽሪ ፈታዊ ንነፍሲ የሐጕሳ።
10ፈታዊኻን ፈታዊ ኣቦኻን ኣይትሕደግ፤ ብመዓልቲ መከራኻ እንዳ ሓውካ ኣይትኺድ፤ ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓው፥ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት የሐይሽ።
11ወደይ! ንዝፀርፈኒ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእልስ፥ ለባም ኩን፤ ንልበይውን ኣሐጕሶ።
12መስተውዓሊ ሰብ ክፉእ ሪኡ ይሕባእ፤ ዘየስተውዕል ግና ጠጒጉ ይኣትዎ እሞ ብእኡ ይጕዳእ።
13ንጓና ኻብ ዝተውሓሰ ሰብ ክዳኑ ውሰድ፤ ንዘይፈልጦ ንዝወሓስ ከዓ ዕገቶ።
14ኣጋ ወጋሕታ ዓው ኢሉ ንብፃዩ ዝምርቕ፤ ከም ዝረገሞ እዩ ዝቝፀር።
15ብመዓልቲ ጥምቕ እንተየቋረፀ ዘንጥብ ቤትን፥ ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።
16ንኣኣ ምዕጋት፥ ንንፋስ ምዕጋትን፥ ብኢድካ ዘይቲ ምዕዃትን እዩ።
17ሓፂን፥ ንሓፂን ይስሕሎ፥ ሰብ ከዓ ንብፃዩ ይስሕሎ።
18ንበለሱ ዝከናኸን፥ ፍረኡ ይበልዕ፥ ንጐይታኡ ዝከናኸን ከዓ ይኸብር።
19ከምቲ ማይ ገፅ ንገፅ ዘርእዮ፥ ልብኻውን ከምኡ፥ ናይ ባዕልኻ ኹነታት የርእየካ።
20ሞትን ሲኦልን ከም ዘይፀግቡ፥ ዓይኒ ወዲ ሰብውን ኣይፀግብን።
21ወርቂ ብሓዊ፥ ብሩር ብመምከኺ ይፍተን፤ ሰብ ከዓ በቲ ዝቕበሎ ናእዳ ይምዘን።
22ንዓሻ ምስ እኽሊ፥ ኣብ መጕእ እንተ እትፈፅሖ እኳ፥ ዕሽነቱ ኣይሓድጎን።
23ሃለዋት ኣባጊዕኻ ኣፀቢቕካ ፍለጥ፤ ንልብኻ ኣብ መጓሰኻ ኣንብሮ፤
24ሃብቲ ንሓዋሩ፥ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ።
25ደረቕ ሳዕሪ ምስ ተዓፀደ፥ ሓዲሽ ለምለምውን ምስተርኣየ፥ ኣብ እምባታት ዘሎ ሰኾይ ከዓ ምስ ተኣከበ፥
26ካብ ፀጕሪ ኣባጊዕኻ ኽዳን ትረክብ፤ ዲበላታትካ መዐደጊ ግራት ይኾኑኻ፤
27ኣጣልካ ኸዓ ንኣኻን ንስድራኻን ንኣግራድካን ዝምግብ ፀባ ኽህባኻ እየን።