1ምስ በዓል ስልጣን ኣብ ማእዲ እንተ ተሰሪዕኻ፥ ኣብ ቅድሜኻ መን ከም ዘሎ፥ ኣፀቢቕካ ኣስተብህል፤
2ህንፉፍ እኳ እንተ ኾንካ፥ ኣብ ጐረሮኻ ኻራ ግበር።
3እንጀራ ሓሰት እዩሞ፥ ንጥዑም ብልዒ ኣይትብሃጎ።
4ድልየትካ ንምግታእ ጥበብ ይሃሉኻ እምበር፥ ሃብታም ክኸውን እየ ኢልካ ኣይትድከም።
5ሃብቲ፥ ናብ ሰማይ ከም ዝበርር ንስሪ፥ ንባዕሉ ኽንፊ የውፅእ እዩሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓይንኻ እንተውደቕካሉ ይጠፍእ።
6እንጀራ ስሱዕ ኣይትብላዕ፤ ጣዕሚ ብልዑ ኸዓ ኣየብህግካ፤
7ብልቡ ኸም ዝሓሰበልካ፥ “ብላዕ፥ ስተ” ይብለካ፤ ግና ልቡ ምሳኻ ኣይኮነን፤
8ነቲ ዝበላዕኻዮ ምግቢ ኽትተፍኦ ኢኻ፤ ነቲ ፅቡቕ ዘረባኻውን ክተጥፍኦ ኢኻ።
9ነቲ ጥበብ ዝመልኦ ቓልካ ይንዕቖ እዩሞ፤ ኣብ እዝኒ ዓሻ፥ ቁም ነገር ዘለዎ ዘረባ ኣይትዛረብ።
10ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ፤ ናብ ግራት ደኽታማት ከዓ ኣይትእቶ።
11ተቤዛዊኦም እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ እዩ እሞ፤ ባዕሉ ኽንዳኣቶም ክፋረደካ እዩ።
12ልብኻ ንተግሳፅ፥ እዝንኻ ኸዓ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ።
13ንቘልዓ ብጨንገር ምቕፃዕ ኣይቐትሎን እዩሞ፥ ንቘልዓ ኻብ ምቕፃዕ ሸለል ኣይትበል።
14ብጨንገር ትቐፅዖ፤ ንነፍሱውን ካብ ሲኦል ተድሕና።
15ወደይ፥ ልብኻ መስተውዓሊ እንተ ኾይኑ፥ ልበይ ይሕጐስ፤
16ከናፍርካውን ቅንዕና እንትዛረባ፥ ኰላሊተይ ደስ ይብለን።
17ኵሉ መዓልቲ ደኣ ፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ይሃሉኻ እምበር፥ ልብኻ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ።
18እዙይ እንተ ደኣ ጌርካ ብርግፅ ፍፃሜ ኣለካ፤ ተስፋኻ ድማ ኸንቱ ኣይኸውንን እዩ።
19ኣታ ወደይ፥ ስማዕ ለባምውን ኩን፤ ንልብኻ ኸዓ ብቕኑዕ መንገዲ ምርሓዮ።
20ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፤ ምብዛሕ ድቃስውን፥ ዝተቀዳደደ ጨርቂ የኽድን እዩሞ፥ ኣብ ማእኸል ሰተይቲ ወይንን፥ ኣብ ማእኸል ህሩፋት በላዕቲ ስጋን ኣይትቀመጥ።
22ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፤ ንኖኻውን፥ ምስ ኣረገት ኣይትንዓቃ።
23ንሓቂ ዓድጋ እምበር ኣይትሽጣ፤ ንሓቂ ንጥበብ ንተግሳፅ ንምስትውዓልን ድማ ገንዘብካ ግበረን።
24ኣቦ ፃድቕ ብዙሕ ይሕጐስ፤ ጥበበኛ ውሉድ ዝወለደ ኸዓ ብእኡ ደስ ይብሎ።
25ኣቦኻን እኖኻን ብኣኻ ይተሓጐሱ፤ እታ ንኣኻ ዝወለደት ድማ ደስ ይበላ።
26ወደይ፥ ልብኻ ሃበኒ፤ ኣዒንትኻ ድማ መንገደይ ይፍተዋ።
27ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ዓዘቕቲ እያ፤ ዘማዊት ሰበይቲ ድማ ፀባብ ጕድጓድ እያ፤
28ከም ከታሪ ትፀናቶ፤ ብዙሓት ወስላታታትውን ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ተብዝሕ።
29ዋይዋይታ፥ ንመንዩ? ባእሲ፥ ንመንዩ? ሓዘን፥ ንመንዩ? ብኽያት፥ ንመንዩ? ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል፥ ንመንዩ? ምቕያሕ ዓይኒ፥ ንመን እዩ? ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዝድንጕዩ፥ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኽመርፁ ዝእከቡዶ ኣይኮነን!
31ንወይኒ ምቕያሑ፥ ኣብ ብርለ ብርቕርቕ ምባሉ፥ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትመልከት።
32ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፤ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ይነፅግ።
33ኣዒንትካ ንኣመንዝራታት ይሪኣ፤ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ።
34ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ለጥ ከም ዝበለ፥ ኣብ ጫፍ ዓምዲ መርከብ፥ ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን።
35“ወቒዖምኒ፥ ግና ኣይተጐዳእኹን፤ ዘቢጦምኒ እዮም፤ ግና ኣይተፈለጠንን፤ መሊሰ ኽደልዮ ኸዓ፥ መኣዝ እየ ዝነቅሕ?” ክትብል ኢኻ።