1ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፀልአ እዩ፤ ትኽክለኛ ሚዛን ግና የሐጕሶ።
2ትዕቢት እንተ መፂኣ ውርደት ትመፅእ፤ ኣብ ትሑታን ግና ጥበብ ትርከብ።
3ነቶም ቅኑዓት ቅንዕናኣቶም ይመርሖም፤ ነቶም ወስላታታት ግና ኽፍኣቶም የጥፍኦም።
4ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት ተድሕን።
5ንፍፁም ሰብ፥ ፅድቁ፥ ንመንገዱ የቕንዐሉ፤ ንሓጥእ ግና ሓጢኣቱ የውድቖ።
6ነቶም ቅኑዓት ፅድቆም የናግፎም፤ ነቶም ወስላታታት ግና ኽፍኣቶም መፈንጠር ይኾኖም።
7ሓጥእ እንተ ሞተ ተስፋኡ ይቋረፅ፤ እቲ ዝምክሐሉ ሓይሊ ድማ ኸንቱ ይኸውን።
8ፃድቕ ካብ መከራ ይድሕን፤ ሓጥእ ግና ኽንድኡ ይመፅእ።
9ክፉእ ሰብ ንብፃዩ ብኣፉ የጥፍኦ፤ ፃድቕ ግና ብፍልጠት የምልጥ።
10ፃድቃን ፅቡቕ እንተ ረኸቡ፥ ሃገር ትሕጐስ፤ ብጥፍኣት ሓጥኣን ኸዓ ዕልል ትብል።
11ብበረኸት ቅኑዓት፥ ከተማ ልዕል ልዕል ትብል፤ ብኣፍ ሓጥኣን ግና ትግልበጥ።
12ንብፃዩ ዝንዕቕ ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ፤ ለባም ግና ስቕ እዩ ዝብል።
13ክሓሚ ዝዘውር ምስጢር የውፅእ፤ ብመንፈስ እሙን ዝኾነ ግና ንነገር ይስውር።
14ፅቡቕ ምኽሪ እንተ ዘይሃልዩ፥ ህዝቢ ይወድቕ፤ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ድሕነት ይኸውን።
15ንዘይፈልጦ ዝወሓስ መከራ ይቕበል፤ ካብ ውሕስነት ዝጥንቀቕ ግና ብህድኣት ይነብር።
16ሕያወይቲ ሰበይቲ ሞገስ ትረክብ፤ ሃካያት ሃብቲ ኣይረኽቡን፤ ፃዕረኛታት ግና ሃብቲ ይረኽቡ።
17ሕያዋይ ሰብ ንባዕሉ ፅቡቕ ይገብር፤ ጨካን ግና ንስጋኡ ይጐድእ።
18ናይ ሓጥእ ሰብ ሞያ ረብሓ የብሉን፤ ፅድቂ ዝዘርእ ግና ረብሓ ኣለዎ።
19ብሓቂ ዝፀንዕ ብህይወት ይነብር፤ ክፍኣት ዝኽተል ግና ሞቱ የዳሉ።
20እግዚኣብሄር ነቶም ጠዋይ ዝልቦም ይፅየፎም፤ ብመንገዶም ፍፁማት ዝኾኑ ግና ዝተፈተዉ እዮም።
21ክፉእ ሰብ ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ ዘርኢ ፃድቃን ግና ይድሕን።
22ምስትውዓል ዝጐደላ መልክዐኛ ሰበይቲ፥ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ዝተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።
23ኵሉ ድልየት ፃድቃን ሰናይ እዩ፤ ትፅቢት ሓጥኣን ግና መቕሰፍቲ እዩ።
24ሓድሓደ ሰባት ገንዘቦም ብልግሲ ይህቡ፤ መሊሶም ከዓ ይህብትሙ፤ ሓድሓደ ኸዓ ብዘይመጠን ይነፍጉ፤ የመናውን ይደኽዩ።
25ለጋስ ነፍሲ፥ የመና ትፀግብ፤ እቲ ዘርዊ ኸዓ ንባዕሉ ይረዊ።
26ኣኽቢረ ኽሸጦ ኢሉ እኽሉ ንዝዓቍር ሰብ፥ ህዝቢ ይረግሞ፤ በረኸት ግና ኣብ ርእሲ እቲ እኽሉ ዝሸይጥ እዩ።
27ሰናይ ዝደሊ ሰናይ ይረክብ፤ ነቲ ኽፉእ ዝደሊ ግና ኽፉእ ይረኽቦ።
28ብሃብቱ ዝእመን ይወድቕ፤ ፃድቃን ግና ኸም ቈፅሊ ይልምልሙ።
29እቲ ንቤቱ ዝህውኽ ንፋስ ይወርስ፤ ዓሻ ድማ ነቲ ጥበበኛ ሰብ ኣገልጋሊ ይኸውን።
30ፍረ ፃድቕ ኦም ህይወት እያ፤ ንነፍሳት ዝእክብውን ንሱ ጠቢብ እዩ።
31እንሆ ፃድቕ ፍዳኡ ኣብ ምድሪ ዝቕበል ካብ ኮነ፥ ሓጥእን ዓማፅን ደኣ ኸመይ ክኾኑ እዮም?