1እዙይ ምስላታት ሰሎሞን እዩ፦ ለባም ወዲ ነቦኡ የሐጕስ፤ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃዪ እኖኡ እዩ።
2ብሓጢኣት ዝተረኽበ ሃብቲ ኣይጠቅምን እዩ፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት የናግፍ።
3እግዚኣብሄር ንነፍሲ ፃድቕ ኣየጥምያን እዩ፤ ንትምኒት ክፉኣት ግና የንኰላልፎ።
4ኢድ ሃካይ ድኻ ትገብር፤ ኢድ ትጉህ ግና ሃብታም ትገብር።
5ለባም ወዲ፥ እኽሉ ብሓጋይ ይእክብ፤ እቲ ኣብ እዋን ቀውዒ ዝድቅስ ግና ንባዕሉ የዋርድ።
6በረኸት ኣብ ልዕሊ ፃድቃን እዩ፤ ንኣፍ ሓጥኣን ግና ግፍዒ ይኸድኖ።
7ናይ ፃድቃን መዘከርታ ንበረኸት እዩ፤ ስም ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
8ለባም ሰብ ምኽሪ ብምስትውዓል ይቕበል፤ ብኸንፈሩ ዝሰንፍ ግና ይወድቕ።
9ብቕንዕና ዝመላለስ ሃዲኡ ይኸይድ፤ ጠዋይ ኣካይዳ ዝኸይድ ግና ይፍለጥ።
10ብዓይኑ ዝጠቅስ መከራ የምፅእ፤ ብሓቂ ዝግስፅ ግና ሰላም የምፅእ።
11ኣፍ ፃድቕ ፍልፍል ህይወት እያ፤ ንኣፍ ሓጥእ ግና ግፍዒ ይኸድኖ።
12ፅልኢ፥ ንጐይቊ የልዕል፤ ፍቕሪ ግና ንዅሉ በደል ትኽውሎ።
13ኣብ ከንፈር ብልሓተኛ ጥበብ ትርከብ፤ ሓለንጊ ግና ኣብ ዝባን ዓሻ እዩ።
14ለባማት ፍልጠት ይእክቡ፤ ኣፍ ሰነፍ ግና ናብ ጥፍኣት ይቐርብ።
15ሃብቲ በዓል ፀጋ ንእኡ ዝፀንዐት ከተማ እያ፤ ጥፍኣት ድኻታት ግና ድኽነቶም እዩ።
16ዓስቢ ፃድቃን፥ ንህይወት እዩ፤ ፍረ ሓጥኣን ግና ንሓጢኣት እዩ።
17ምዕዶ ዝሕሉ ብህይወት ይነብር፤ ተግሳፅ ዝኣቢ ግና ይስሕት።
18ፅልኢ ዝሓብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፤ ሓሜት ዝዝርግሕ ከዓ ዓሻ እዩ።
19ኣብ ብዙሕ ዘረባ ሓጢኣት ኣይሰኣንን እዩ፤ ከንፈሩ ዝገትእ ግና መስተውዓሊ እዩ።
20መልሓስ ፃድቕ ዝፀረየ ብሩር እዩ፤ ልቢ ሓጥኣን ግና ፍረ የብሉን።
21ከናፍር ፃድቃን ንብዙሓት ሰባት ይምግባ፤ ዓያሹ ግና ሰኣን ፍልጠት ይሞቱ።
22በረኸት እግዚኣብሄር ተህብትም፤ ሓዘንውን ምስኣ ኣይውሰኽን።
23ክፉእ ምግባር ንዓሻ ዋዛኡ እዩ፤ ጥበብ ከዓ ንለባም ከምኡ እያ።
24ንሓጥኣን እቲ ዝፈርሕዎ ነገር ይመፆም፤ ንፃድቃን ግና ዝተመነይዎ ይወሃቦም።
25ኣውሎ ንፋስ እንትሓልፍ ሓጥእ ኣይርከብን፤ ፃድቕ ግና ናይ ዘለኣለም መሰረት እዩ።
26ከምቲ መፂፅ ንስኒ፥ ትኪ ኸዓ ንዓይኒ ዝጐድእ፥ ሃካይ ንለኣኺኡ ኸምኡ እዩ።
27ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ፥ ዕድመ የንውሕ፤ ዘመን ሓጥኣን ግና ትሓፅር።
28ትፅቢት ፃድቃን ደስታ እዩ፤ ተስፋ ሓጥኣን ግና ይጠፍእ።
29መንገዲ እግዚኣብሄር፥ ብዘይ ነውሪ ንዝኸይድ እምባ እዩ፤ ንገበርቲ ኽፉእ ግና መጥፍኢ እዩ።
30ፃድቃን ንዘለኣለም ሃዲኦም ይነብሩ፤ ክፉኣት ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም።
31ኣፍ ፃድቕ ጥበብ ይዛረብ፤ ቀይናን መልሓስ ግና ትቝረፅ።
32ከናፍር ፃድቕ ዘሐጕስ ነገር ይፈልጡ፤ ኣፍ ሓጥኣን ግና ቐይናን እዩ።