ትንቢት ኦብድያ 1

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት6:58 ስማዕ
ስማዕ 6:58 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብድዩ ዝረኣዮ ራእይ። ጐይታ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ ካብ እግዚኣብሄር ወረ ሰሚዕና ኢና፤ እቲ ልኡኽውን ናብ ኣህዛብ ተልኢኹ፥ “ተስኡ፥ ኣብ ልዕሊኣ ብሰልፊ ንለዓል፥ ኢሉ እዩ።”

2“እንሆ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣንኣስኩኻ፤ ንስኻ ፈፂምካ ተንዒቕካ ኢኻ።

3ኣታ ኣብ ዝነቕዐ ኰዅሒ እትነብር፥ መንበሪኻ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝገበርካ፥ ብልብኻውን ‘ናብ ምድሪ ኸውርደኒ ዝኽእል መን እዩ?’ እትብል ንስኻ፥ ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ እዩ።

4ከም ንስሪ ተወንጪፍካ ንላዕሊ እንተ ደየብካ፥ ቤትካውን ኣብ ማእኸል ከዋኽብቲ እንተ ኾነ፥ ካብኡ ኸውርደካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

5ሰረቕቲ ናባኻ እንተ መፁ፥ ወይ ከተርቲ ብለይቲ እንተ መፁኻ፥ ዝኣኽሎም ዝሰርቁዶ ኣይኮኑን? ወይኒ ዝቘርፁ ናባኻ እንተ መፁ ቐሪምዶ ኣየትርፉን? ንስኻ ግና ኸመይ ኢልካ ጠፋእኻ!

6ኤሳው ከመይ ተመርመረ! ዝተሓብአ ነገር ከመይ ተደለየ!

7ኵሎም ቃል ኪዳን ዝኣተዉልካ ሰባት ክሳዕ ወሰን ሰጐጉኻ፤ ኵሎም እቶም እትኣምኖም ሰባት እውን ኣታለሉኻ፤ ኣእምሮ የብሉን ኢሎም ኣሰነፉኻ፤ እቶም እንጀራኻ ዝበልዑ እውን፥ ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠር ዘርግሑልካ፤ ንሳቶምውን ምስትውዓል የብሎምን።

8“በታ መዓልቲ እቲኣ ጥበበኛታት ካብ ኤዶምያስ፥ መስተውዓልቲውን ካብ እምባታት ኤሳውዶ ኣየጥፍእን? ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።

9ኣታ ቴማን፥ ኵሎም ሰባት ካብ እምባ ኤሳው፥ ተቐቲሎም ምእንቲ ኽጠፍኡ፥ ጀጋኑኻ ኽርዕዱ እዮም።”

10ኣብ ልዕሊ ሓውካ ያእቆብ ስለ ዝተገብረ ግፍዒ፥ ሓፍረት ክትጕልበብ ኢኻ፤ ንዘለኣለምውን ክትጠፍእ ኢኻ።

11በታ ኣንፃር ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፥ በታ ጓኖት ንጭፍራ ማሪኾም ዝወሰዱላ መዓልቲ፥ ኣህዛብ ንጭፍራኡ ብዝማረኹላ፥ ኣጋይሽውን ብበሪ ዝኣተውሉ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዕፃ ብዝተዋደቑሉ መዓልቲ፥ ንስኻውን ካብኣቶም ከም ሓደ ነበርካ።

12ግና ብመዓልቲ መከራ ንሓውካ ኽትምልከት፥ ብመዓልቲ ጥፍኣቶም ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ይሁዳ ኽትሕጐስ፥ ብመዓልቲ ጭንቂ እውን፥ ብትዕቢት ክትዛረብ ኣይግበአካን ነይሩ።

13በቲ ጥፍኣት ዝወረዶም መዓልቲ ብበሪ ህዝበይ ምእታው፥ ብመዓልቲ ጭንቀቶምውን ጥፍኣቶም ክትምልከት፥ ብመዓልቲ ጥፍኣቶም ኢድካ ዘርጊሕኻ፥ ሃብቶም ክትዘምት ኣይምተገበአካን ነይሩ።

14ነቶም ዘምልጡ ዝነበሩ ኽትቀትል ኢልካ፥ ኣብ ቀራና መንገዲ ምፅባይ፥ በታ መዓልቲ ጭንቆም ከዓ፥ ነቶም ዝተረፉ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ ኽትህብ፥ ኣይምተገብአካን ነይሩ።

15“መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ቀሪባ እያ እሞ፥ ከምቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ኸምኡ ኽግበረካ እዩ፤ ፍዳኻውን ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ኽምለስ እዩ።

16ከምቲ ንስኻትኩም ኣብ ቅዱስ እምባይ ዝሰተኹም፥ ከምኡ ዅሎም ኣህዛብ እንተየቋረፁ ክሰትዩ እዮም፤ እወ፥ ክሰትዩ እዮም፤ ኣብዚሖምውን ክጭልጥዎ እዮም፤ ከም ዘይነበሩ ኸዓ ክኾኑ እዮም።”

17“ግና ኣብ ልዕሊ እምባ ፅዮን ዘምልጡ ኽህልዉ እዮም፤ ንሱውን ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ ቤት ያእቆብ ድማ ርስቶም ክወርሱ እዮም።

18እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ቤት ያእቆብ ሓዊ፥ ቤት ዮሴፍ ከዓ ነበልባል፥ ቤት ኤሳው ድማ ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸንድድዎምን ከጥፍእዎምን እዮም፤ ካብ ቤት ኤሳው፥ ሓደ እኳ ተረፍ ኣይህሉን እዩ።”

19“ሰባት ደቡብ ንእምባ ኤሳው፥ ሰባት እቲ ቖላ ድማ፥ ንምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክወርሱ እዮም፤ ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንሰማርያውን ክሕዙ እዮም፤ ብንያምውን ንገለዓድ ክወርስ እዩ።

20እዙይውን ደቂ እስራኤል ምርኮ ጭፍራኦም፥ ኵሉ ስፍራ ከነዓን ክሳዕ ሰራጵታ ኽወርስ እዩ፤ ኣብ ስፋራድም ዝነበሩ ምሩኻት ኢየሩሳሌም፥ ንኸተማታት ደቡብ ክወርስወን እዮም።

21ኣብ ልዕሊ እምባ ኤሳው ክፈርዱ፥ እቶም ዘድሕኑ ናብ እምባ ፅዮን ክድይቡ እዮም፤ መንግስቲ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ክኸውን እዩ።”

ትርጓሜ

1:1-16 እዚ ትንቢት እዚ ንኤዶም ዝብድህ እዩ። ጥፍኣታ፡ ከምቲ ኣቦኦም ኤሳው እተነጸገሉ፡ ምሳሌያዊ ኪኸውን ይርአ፤ ንጥፍኣት ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ከም ዝጠቕስ ድማ ይእመን። ንዕዉትነቱ ዝተነበየ ውግእ ተመልከት፤ ኤዶም ክትብላዕን ክትወርድን እያ። ኵሎም ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ፡ ኣብ ዝንጸጉዎ ነገራት ኪሓፍሩ እዮም። ኣምላኽ ነቶም ርእሶም ዘዕበዩን ዝሰብሑን ብቐሊሉ ከዋርዶም ይኽእል እዩ፤ ከምኡ ድማ ኪገብር እዩ። ስጋዊ ምትእምማን ንሰብ ናብ ጥፍኣት የብጽሖ፡ እቲ ጥፍኣት ከኣ ክመጽእ ከሎ የገድዶ። ኣብ ምድሪ ዘሎ መዝገብ፡ ሰረቕቲ ሰንጢቖም ሰሪቖም ኪወስድዎ ዘይኽእሉ ምዃኑ ዘረጋገጸሉ ብውሕስነት ኪንቀመጥ ኣይከኣልን እዩ፤ ስለዚ ኣብ ሰማይ ንርእስና መዝገብ ምንባር ጥበብና እዩ። ኣብ ስጋ ዝውከሉ፡ ንገዛእ ርእሶም የቓልብዎ። ኣምላኽ ኪዳንና ፈጺሙ ኣይኬታልለናን እዩ፤ ግናኸ ንሰብ፡ ማለት ንዝተወሃሃድናዮም እንተ ተኣሚንናዮም፡ ቁስልን ውርደትን ኪዀነልና ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ነቶም ካብ ሓጢኣት ንምርሓቕ ኣእምሮኦም ዘይጥቀሙ ሰባት፡ ካብ ሓደጋ ንምርሓቕ ዝሕግዞም ኣእምሮ ብቕንዕና ኪኽልክሎም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 5

AMHEVG የአብድዩ ራእይ። ጌታ እግዚአብሔር ስለ ኤዶምያስ እንዲህ ይላል፦ “ከእግዚአብሔር ዘንድ ወሬ ሰምተናል፤ መልእክተኛ ወደ አሕዛብ ተልኮ፦ ተነሡ፥ በላይዋም በሰልፍ እንነሣ፡” ብሎአል። አማርኛ ENGNIV The vision of Obadiah. This is what the Sovereign Lord says about Edom– We have heard a message from the Lord: An envoy… English BCV ኣብድዩ ዝረኣዮ ራእይ። ጐይታ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ ካብ እግዚኣብሄር ወረ ሰሚዕና ኢና፤ እቲ ልኡኽውን ናብ ኣህዛብ ተልኢኹ፥ “ተስኡ፥ ኣብ ልዕሊኣ ብሰልፊ ንለዓል፥ … ትግርኛ GAZBIB Mul'anni Waaqayyo gooftaan waa'ee biyya Edoomiif Obaadiiyaatti mul'ise kanatti fufee jira; ergamaan tokko gara saba biy… Afaan Oromoo BCV GIZ ራእይ ዘርእየ ዓብድዩ፤ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር በእንተ ኤዶምያስ፦ ሰሚዐ ሰማዕኩ እምኀበ እግዚአብሔር ወፈነወ ማዕገተ ላዕለ ሕዝብ ተንሥኡ ወንትነሣእ ላዕሌሃ ወንትቃተላ። giz GAZGAZ Mul'anni Waaqayyo gooftaan waa'ee biyya Edoomiif Obaadiiyaatti mul'ise kanatti fufee jira; ergamaan tokko gara saba biy… Afaan Oromoo AMHNIV ጌታ እግዚአብሔር ስለ ኤዶም እንዲህ ይላል፤ ከእግዚአብሔር ዘንድ መልእክት ሰምተናል፤ መልእክተኛውም ወደ አሕዛብ ተልኮ እንዲህ ብሎአል፤ “ተነሡ፤ እርሷን ለመውጋት እንውጣ።” አማርኛ ENGESV The vision of Obadiah. Thus says the Lord GOD concerning Edom: We have heard a report from the LORD, and a messenger ha… English